ተጋሩ ስደተኛታት መዓስከር ኡምራቑባ ድሕሪ ዘጋጠሞም ሓደጋ ባርዕ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, MD
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራቑባ ሱዳን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ስድራታት ተጋሩ መጽለሊኦምን ንብረቶምን ከምዝሰኣኑ ንቢቢሲ ገሊጾም።
መንቀሊ እቲ ባርዕ?
ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩን ነቲ ክስተት ብዓይኖም ዝረኣዩን መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ባርዕ ኣብቲ ብቴንዳ ዝተሰርሐ መጽለሊ ዝተረስዐ ሓዊ ከም ዘንቀሎም ሓቢሮም።
እንተኾነ ምሉእ ሓበሬታ ንምሓዝ ብዝብል ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ወሲኾም ሓቢሮምና።
"ብሎክ ክልተ ብዝብል ዝፍለጥ መጽለሊ ስደተኛታት ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10፡00 [04፡00] ብሃንደበት ክነድድ ጀሚሩ። እቲ ብዕሽሽነት ሓንቲ ኣደ ከምዝተበገሰ ዝግለጽ ባርዕ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ብዙሕ ገዛውቲ ኣቃጺሉ" ትብል ኣልማዝ ገብረእግዚኣብሄር ዝተባሃለት ስደተኛ ነባሪት እቲ መዓስከር።
ካብ ከተማ ሑመራ ተሰዲዱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራቑባ ዝርከብ መምህር ተሻለ ደበበ ብወገኑ "ኣብ ልዕሊ ህይወትናን ኣካልናን ጉድኣት እንተዘየብጽሐ'ኳ ዝርካቡ ንብረትና ግን በቲ ባርዕ ተበሊዑ እዩ" ክብል ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ገሊጹልና።
ኣልማዝ፡ ኣብቶም ብባርዕ ዝዓነዉ ብቴንዳ ዝተሰርሑ ግዝያዊ መጽለሊ ኣረጋውያን፣ ህጻናትን ነብሰጾራትን ከምዝነበሩ እንተኾነ ብጻዕሪ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ትዛረብ።
"ዝነበረና ኩሉ ብሓዊ ተበሊዑ። እቲ ሓዊ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናሰገረ ብቕልጡፍ ይላባዕ ነይሩ። ዋላ ካብተን ኣብ መወዳእታ ዝነደዳ ገዛውቲ ዋላ ሓደ ንብረት ምድሓን ኣይተኽኣለን። ብረድኤት ዝተወሃባና መግብን ኣቑሑትን ሓቂ በሊዕወን" ክትብል ሓቢራ።
ኣብ መዓስከር ኡምራቑባ ንዘለዉ ስደተኛታት ኣብ እተተሓባበር ኮሚቴ ኣባል ብምዃን ዝነጥፍ ኣይተ ካሕሳይ ገብረሚካኤል እቲ ባርዕ ብዕለት 01 ታሕሳስ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ከምዘጋጠመ ብምዝኽኻር ንስደተኛታት ዝሃሰየ ክስተት ምንባሩ ገሊጹ።
"67 ገዛውቲ ዓንዮም ኣለዉ። በዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ እተን መጽለሊ ዝነብሩ 175 ሰባት መጽለሊኦም ስኢኖም። ብዘይክኦም ድማ ብግዝያውነት ምስኦም ተጸጊዖም ዝሓድሩ ስደተኛታት ነይሮም'ዮም" ኢሉ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ቀትሪ ስለዘጋጠመ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጥራሕ እምበር ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድኣት ከምዘይወረደ እቲ ኣተሓባባሪ፡ እቶም ብቴንዳ ዝተሰርሑ መጽለሊን ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ንብረትን ግን ምሉእ ብምሉእ ከምዝነደዱ ገሊጹ።
ኩነታት ስደተኛታት ድሕሪ ባርዕ
ኣብቶም ዝነደዱ መጽለሊ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ካልእ ብጊዚያውነት ዝህነጽ ዝነበረ ዳሳት ክሰጋገሩ፤ ገሊኦም ድማ ምስ ካልኦት ተደሪቦም ከምዝጸንሑ ተገይሩ'ሎ።
"ኣብኡ ዘሎ ስደተኛ ነቶም መጽለሊኦም ዝነደዶም ሰባት ንጊዚኡ መጽንሒ ዝኸውን መግብን ማይን ብምቕራብ ተሓባበርዎም'ዩ። ከም ዩኤንኤችሲኣር [ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት]፣ ፕላን ኢንተርናሽናል [ኣብ ጉዳይ ህጻናት ዝሰርሕ ትካል]፣ ዲኣርሲ [ትካል ስደተኛታት ዳኒሽ] ዝተፈላለዩ ቅልጡፍ ሓገዛት ኣቕሪቦም'ዮም" ይብል ኣይተ ካሕሳይ።
"ንመብሰሊ መግቢ ዝኸውን ድስቲ፣ መንጸፍን ኮበርታን ሽዑ ተዋሂቡ'ሎ። ግን ድማ እዋኑ ዛሕሊ ዝበዝሖን ጣንጡ ዝረኣያሉን ብምዃኑ እኹል ኣይኮነን። ገሊኦም ህጻናት ብፕላን ኢንተርናሽናል ክዳን ተዓዲልዎም ኣሎ" ዝበለት ድማ ሓንቲ ካብ ስደተኛታት ዝኾነት ኣልማዝ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኹሉ እኹል ሓገዝን መተካእታን ከምዘይቀረበሉ እትዛረብ ኣልማዝ ናብቲ ብጊዚያውነት ዝተሃነጸ ዳሳት ከምዝኣተው ትገልጽ።
መምህር ተሻለ'ውን እቲ ቅድሚ ሓደጋ ንስደተኛታት ተዓዲሉ ዝነበረ ከም መብሰሊ መግቢ ዝበለ ኣቑሑት ዳግም ብዩኤንኤችሲኣር ከምዝተዓደለ ብምሕባር፡ ብፍሉይ ድማ ንነብሰጾራትን ኣረጋውያንን ዝተገበረ ጊዝያዊ ሓገዛት ከምዘሎ ጠቒሱ።
ኣልማዝን መምህር ተሻለን፡ እቶም መጽለሊኦም ብባርዕ ዝዓነዎም ስደተኛታት ብጊዚያውነት ክጽንሑሉ ኣብ ዝተገበረ መጽለሊ ንስደተኛታት ዝምቹእ ብዘይምዃኑ ቅልጡፍ መፍትሒ ክወሃብ ንዝምልከቶም ትካላት ረድኤት ሕቶ ከምዝቐረበ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
መተሓባበሪ ስደተኛታት ኣይተ ካሕሳይ ብወገኑ ነዚ ጉዳይን ካልኦት ዝለዓሉ ቅሬታትን ብዝምልከት ምስ ትካላት ረድኤት ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከቡን ተስፋ ዝህብ ምርድዳእ ከምዝሎን ይሕብር።
"ምስጋና ንተጋሩ ዳያስፖራ"
ካብ ጽባሕ እቲ ዘጋጠመ ባርዕ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ዳያስፖራ ብውልቆም ኮነ ብውዳበታቶም ኣቢሎም ነቶም ስደተኛታት ዝኸውን ሓገዛት ኣብ ምልኣኽ ይርከቡ።
"መግብን ካልእ ነገራትን ይበጽሑና ኣለው። ብሳላ እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ተጋሩ ኣብዚ ዘለና ማሕበረሰብ ንንቀሳቐስ ኣሎና" ትብል ኣልማዝ።

ምንጪ ስእሊ, UNHCRTAYLAN DAGCI
መምህር ተሻለ ድማ "ይበል ዘብል ምንቅስቓስ ዳያስፖራ ኢና ንርኢ ዘለና። ከም ማሕበር ቅዱስ ያሬድ ዝበሉ ኣብ ደገ ዝርከቡ ውዳበታት ዳያስፖራ ካብታ ሓደጋ ዘጋጠመትላ መዓልቲ ጀሚሮም ንነብሲ ወከፍ ሰብ ሕሩጭ፣ ዘይቲ፣ ሽኮርን ካልኦት ነገራትን ሓገዝ ተገይሩልና" ክብል ኣረዲኡ።
ካልኦት ናይ ተጋሩ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮይኖም ዘተኣኻኸብዎ ሓገዛት ናብቶም ብሓደጋ ባርዕ ዝተጸለዉ ስደተኛታት ኡምራቑባ ይበጽሕ ከምዘሎ ብምግላጽ እዚ ዝግበረሎም ደገፋት ድማ ተስፋ ከምዝኾኖም ሓቢሮም።
"[ስደተኛ] እቲ ዘጋጠሞ ነገር ንኽርስዕ፣ ንኽዕንገልን ናብ ዝነበሮ ኩነታት ንኽምለስን ዓብዪ ናይ ሞራልን ገንዘብን ደገፍ ይገብሩልና ኣለዉ። ኣብዛ ቁርጺ እዋን ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ምልኣኾም ኣዝዩ ዘኹርዕ'ዩ" ይብል መምህር ተሻለ።
ኣባል ኣተሓባበሪት ኮሚቴ ስደተኛታት መዓስከር ኡምራቑባ ኣይተ ካሕሳይ ብወገኑ ኣብዚ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብተጋሩ ዳያስፖራ ዝለኣኹ ሓገዛት ይበጽሕዎም ከምዘለዉ ብምሕባር ካብ ክዳን ክሳብ መግቢ ንስደተኛታት ከምዝተዓደለ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







