ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ገበናት ኵናት' ተፈጺሙ፡ ሁማን ራይትስ ዎች

ሂዩማን ራይትስ ዎች

ምንጪ ስእሊ, HUMAN RIGHTS WATCH

ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ውግእ ዝተጸምዱ ሓይልታት ኤርትራን ምሊሻታት ትግራይን ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ብምእታው ዝተፈላለዩ ግፍዒታት ከምዝፈጸሙ እቲ መግለጺ የመልክት።

ሰራዊት ኤርትራ: ኣብ ከባቢ መዓስከር ስደተኛታት ንዝነበሩ ተጋሩ ዒላማ ከምዝገበረ እውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ዳይረክትር ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባደር "ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ተጠቒዖም'ዮም" ድሕሪ ምባል "እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ዘሰንብድ ቅትለት፤ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ናይ ኵናት ገበን ከምዝተፈጸመ ዘጉልሕ'ዩ" ኢላ።

እቲ ጸብጻብ "ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ'ውን እቲ ኵናት መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ናብ ዝርከባሉ ቦታታት ስለዝለሓመ እቶም ስደተኛታት ንሕሱም ስእነት ጸጥታን ረድኤትን ተቓሊዖም'ዮም" ይብል።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታትሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕትታት፡ ጭውያን፡ ማእሰርትን ጎነጽን ከምዝተፈጸመ እሙንን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ኣለና" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ተጻረርቲ ወገናት ዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ "ጎነጽን ምፍርራሕን" ደው ክብል ድማ ጸዊዑ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሰራዊትና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ናብቲ ካባቢ ተንቀሳቒሱ፡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ጉጅለታት ኣብቲ ቦታ ስለዝነበሩ፡ [እቲ ግህሰት] ኣይተፈጸመን ኢለ ክኽሕዶ ኣይክእልን'የ" ድሕሪ ምባል ዓለምለኻዊ መርማሪ ጉጅለ መጺኡ ከጻሪ ድልዋት ምዃኖም ጠቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝሃቦ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፡ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝኾነ ሕማቕ ተግባራት ከምዘይፈጸመ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ መዓስከር ሕጻጽ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ብመሰረት ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሓይልታት ኤርትራ ብ19 ሕዳር ናብ ከተማ ሕጻጽ ብምእታው ብዘይ ኣፈላላይ ብዙሓት ነበርቲ ቐቲሎምን ዝምታ ፈጺሞምን ይብል።

ብምቕጻል "ብ23 ሕዳር ምሊሻታት ትግራይ ናብ መዓደስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ብምእታው ነቶም ኣብ ጥቓ እታ መዓስከር እትርከብ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ስደተኛታት ኣጥቂዐሞም" ኢሉ።

ኣብ ከባቢ እቲ መዓስከር ኣብ ሞንጎ ምልሻታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ብዝተኸፈተ ኵናት 9 ስደተኛታት ክቕተሉ እንከለዉ 17 ስደተኛታት ብኸቢድ ምቑሳሎም ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ካብቲ ከባቢ ምስ ለቀቑ ምልሻታት ትግራይ ብ5 ታሕሳስ ናብቲ መዓስከር ብምእታዉ ተዅሲ ከፊቶም፡ ነቶም ዝሃደሙ ስደተኛታት ሒዞም ናብ መዓስከር ሕጻጽ ብምምላስ ኣብ ልዕሊኦም ማእሰርትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች "እቲ ኣብ ሕጻጽ ዝተፈጸመ ምእሳር ስደተኛታት ብምልሻታት ትግራይ፡ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን መንነቶም ዘይተፈለጠ ናይ ኤርትራ ዕጡቓትን እዩ ተፈጺሙ" ይብል።

ብ4 ጥሪ ወተሃደራት ኤርትራ ናብቲ ከባቢ ምስ መጺኡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢ ሕጻጽ ኣንሳሒቦም፡ ብድሕሪ እዚ ሰራዊት ኤርትራ ነቶም ኣብቲ መዓስከር ዝጸንሕዎም ስደተኛታት ናብቲ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ ጽርግያ ገጾም ክኸዱ ኣዚዘሞም፡ ካብ 5 ክሳብ 8 ጥሪ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኸኣ ነቲ መዓስከር ከምዘቃጸልዎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይኸስስ።

ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ መልዘር ኣብ ወርሒ ለካቲት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብዙሓት ካብኦም ኣብ ከባቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፋሕ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብሰንኪ'ቲ ብ4 ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለ ዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምንባሮም ይፍለጥ።

ዩኤንኤችሲኣር ካብቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሸመልባን ዝነበሩ 20 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት እቶም 7643 ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ኣብ ዝተገበረ ተፍትሽ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥ ምግላጹ ይዝከር።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ መዓስከር ከተማን መዓስከርን ሕጻጽ እንታይ'ዩ ገይሩ?

ሰራዊት ኤርትራ ብ19 ሕዳር ምስ ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምውጋእ ንከተማ ሕጻጽን ነታ ኣብ ጥቃኣ ትርከብ መዓስከር ስደተኛታትን ተቖጻጺሩ።

እቶም ወተሃደራት፡ ብዙሓት ነበርቲ'ቲ ከባቢ ከምዝቐተሉን ከምዝዘመቱን፤ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ድማ ኣብ ዘመተ ከምዝተሳተፉን ወጥሪ ንክጋደድ ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝኾኑን እቲ ጸብጻብ ኣስፈሩ።

ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ ብውሕዱ 31 ነበርቲ ከምዘተቐትሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ እሙናት ምንጪ ሓበሬታ ኣለኒ ይብል።

ዝዓነወ ታንኪ

ብ23 ሕዳር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፍ ከባብያዊ ማሕበር'ውን ናይ 26 ዝተቐተሉ ሰባት ዝርዝር ኣስማት፡ ዝበዝሑ ካብ ሓደ ስድራ ዝኾኑ፡ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዘረከበ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ሓደ ነባሪ፤ "ዳርጋ ኩሎም ገዛውቲ ብወተሃደራት ኤርትራ ተፈቲሹ እዩ፤ ብዙሓት ሰባት እውን ተቐቲሎም እዮም" ከምዝበሎ ጸብጺቡ'ሎ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች "ካብቶም ዝተቐተሉ ብውሕዱ እቶም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ናይተን ኣብ ሕጻጽ ዝነጥፋ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበርክታ ትካላት እዮም" ኢሉ።

ምልሻታት ትግራይ ኣብ መዓስከር ሕጻጽ እንታይ'ዩም ፈጺሞም?

ብ23 ሕዳር ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ከተማ ሕጻጽ ከቢድ ኵናት ከምዝጀመረ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንሁማን ራይትስ ዎች ጠቒሶም።

እቶም ምልሻታት ብኽልተ ሸነክ ናብቲ መዓስከር ብምእታው ተዅሲ ከምዝኸፈቱሎምን ነቶም ኣብ ቤተ ክርስተያን ዝጸንሕዎም ብጥይት ከምዝሃረምዎም'ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ትሽዓት ስደተኛታት ከምእተቐትሉን 17 ካልኦት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ፡ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ንእሽተይ ቆልዓን ኣብ ዓንዲ ሕቖኦም ከምዝተሃረሙን ይገልጽ።

ክልተ ስደተኛታት ንሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምልሻታት ትግራይን ካራን ጎዞሞን ዝሓዙ ሰባትን፡ ንስደተኛታት ብለይቲ ወሲዶሞም ብምባል፡ ሓደ ካብቶም ግዳያት "ናብ ሓደ ደንደስ ሩባ ወሲዶሙና፡ ኣብ ሓደ ወርቂ ክኣርዩ ዝኾዓትዎ ጉድጓድ ኣእትዮም ን15 ደቓይቕ ኣጽኒሖም ናይ ኢድ ቦንባ ደርብዮሙልና፡ ጥይት ብዝትኩሱ ሰባት ተኸቢብና ስለዝነበርና ክንሃድም ኣይክኣልናን" ኢሉ።

ኣብ ዝሰዓበ መዓልታት እቶም ምልሻታተት ናብቲ መዓስከር እናመጽኡ ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጹ፡ መግብን ካልእ ንብረታትን ይዘምቱ ምንባሮምን'ውን ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ ኣሎ።

እቶም ተኸሰስቲ ኣካላትከ እንታይ ይብሉ?

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ብዛዕባ'ዚ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ መልሲ ከምዘይሃበ ዝገለጸ ሮይተርስ፡ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ንሰለማውያን ሰባት ዕላማ ከምዘይገብርን ዝኾነ ግህሰት ከምዘይፈጸመን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ስሩዓት ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ናብቲ ከባቢ ከምዝተንቀሳቐ ብምሕባር እቲ ዝብሃል ዘሎ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ምልሻታት ዝተፈጸመ ከኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ሂቡ።

ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሰራዊትና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ናብቲ ካባቢ ተንቀሳቒሱ፡ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰራዊት ኤርትራ ኣሎ፡ ኣብቲ እዋን ውግእ ብዙሓት ጉጅለታት ኣብቲ ቦታ ስለዝነበሩ ኣይተፈጸመን ክብል ኣይክእልን'የ" ድሕሪ ምባል ዓለምለኻዊ መርማሪ ጉጅለ መጺኡ ከጻሪ ድልዋት ምህላዎም ጠቒሱ።

ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ

ኣብ ጥቅምቲ 2020 ብዝነበረ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣስታታት 149 ሽሕ ኤርትራውያን ሰደተኛታት መዝጊባ ነይራ፡ እቶም ዝበዝሑ ኸኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት እዮም ነይሮም።

20,000 ኣብ ሕጻጽን ሸመልባን፡ 31 ሽሕ ኸኣ ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ነይሮም።

ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ግን ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ጀሚሩ ስደተኛታት ምምዝጋብ ደው ኣቢልዎ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ህፃናት ኩዕሶ እግሪ እንትፃወቱ
መግለጺ ስእሊ, መዕቆቢ ስደተኛታት ማይ ዓይኒ

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ነቲ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ሓበሬታ ሂቡ ነይሩ እዩ።

ኣብ ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ ኸኣ መዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ከምዝተዓጸዋ ኣራ ኣፍሊጡ።

ዩኤንኤችሲኣር'ውን ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ መዓስከራት ሸመልባን ሕጻጽን ብሰንኪ እቲ ኵናትን መንግስቲ ዘቐመጦ ናይ ምንቅስቓስ እገዳን ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሕ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተናውሐ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝተሰደዱ እዮም ዝሕብሩ።