ንስንፈተ-ወሲብ ዝውሰድ ‘ቪያግራ’ ንሕማም ረሲዕ (ኣልዛይመርስ) ክከላኸል ይኽእል’ዩ - ተመራመርቲ

ቪያግራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰባት ንስንፈተ-ወሲብ ዝወስድዎ ‘ቪያግራ’ ዝተባሃለ ክኒና ንሕማም ረሲዕ [ኣልዛይመርስ] ኣብ ምክልኻል ረብሓ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ዋህዮታት ኣእምሮ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከምዘመልክትዎ፡ ካብዚ ንወሲብ ዘነቓቕሕ መድሓኒት ዝርከቡ ፕሮቲናት ንሕማም ረሲዕ ክፍውሱ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ተመራመርቲ ንኩነታት ጥዕና 7 ሚልዮን ሰባት ብምክትታል ብዘካየድዎ መጽናዕቲ’ዮም ቪያግራ ዝጥቀሙ ደቂተባዕትዮ ንሕማም ረሲዕ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ዝጸበበ ምዃኑ ሓቢሮም ዘለዉ።

ውጽኢት መጽናዕቶም ‘ኔቸር ኤጂንግ’ ኣብ ዝተባህለ መጽሄት ወግዓዊ ዝገበሩ ኮይኖም፤ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምክያድ ከኣ ዕዙዝ ረብሓ ከምዝህልዎ ጠቊሞም።

እቶም ተመራመርቲ በዚ ውጽኢት ሕጉሳት ምዃኖም ዝገልጹ ዘለዉ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ረብሓ ዝወዓለ መድሓኒት ንኻልእ ሕማም ክከላኸል ምግባር ቀሊልን ቅልጡፍን ብምዃኑ እዩ።

'ቪያግራ' እንታይ እዩ ረብሕኡ?

እዚ ብኻልእ መጸውዒኡ ‘ሴልዴፊል’ ብዝብል ዝፍለጥ ከኒና ፈለማ ክፈርይ ከሎ ዕላምኡ ሕማም ልቢ ንምክልኻል ብዝብል’ዩ ነይሩ። ቀንዲ ስርሑ ድማ ንትቦታት ደም ብምስፋሕ ደም ብዝድለ ደረጃ ኽዘዋወር ንምግባር’ዩ።

ደሓር ግን ዶካተር ሓደ ነገር ኣስተብሂሎም። እቲ መድሓኒት ብዘይካ ኣብ ትቦ ደም ኣብ ካልኦት ኣካላት ሰብነት’ውን ክሰርሕ ተዓዚቦም። ብፍላይ ኣብ ብልዕቲ ደቂተባዕትዮ።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እቲ መድሓኒት ንስንፈተ-ወሲብ ፍቱን መድሓኒት ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም።

ቪያግራ ብዘይካ ንስንፈተ-ወሲብን ሕማም ልብን፤ ‘ፐልሞናሪ ሃይፐርቴንሽን’ ብዝብል ዝፍለጥ ሕማም ሳንባ ንዘለዎም ሰባት ሕክምና ይውዕል’ዩ።

"ንሕማም ረሲዕ'ውን ፍቱን መድሓኒት ከምዝኸውን ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ኣለና" ዝበሉ ተመራመርቲ፤ ነቲ መድሓኒት ምውሳድ ኣብ ዕብየት ዋህዮታት ኣእምሮን ምውህላል ፕሮቲንን ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቶም ተመራመርቲ ኣብዚ ጉዳይ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት መጽናዕቲ ዘካየዱ ኮይኖም ኣብ 7.3 ሚልዮን ሰባት ክትትል ከምዝገበሩ ይዛረቡ። ተወሳኺ ምርምር ምክያድ ግን ኣገዳሲ ምዃኑ ካብ ምሕባር ኣይተቖጠቡን።