ምኽሳዕ፡ ጠንቂ ሕማምን ሞትን ከምዝኾነ ሓዱሽ መጽናዕቲ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምኽሳዕ (ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ) ጠንቂ ሕማምን ሞትን ከምዝኾነ ተገሊጹ።
መጠን ተዛምዶ ክብደቶምን ቁመቶምን (Body mass index) 30-35 ዝኾኑ ሰባት፡ ካብቶም ትክክለኛ ዝኾነ መጠን ተዛምዶ ክብደትን ቁመትን (18.5-25 ) ዘለዎም ሰባት፡ ብ 70 ምኢታዊ ንናይ ልቢ ሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድል ኣለዎም።
ከም ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ ቁሩብ ካብቲ ዝግባእ ልዕል ዝበለ ክብደት ዘለዎም ሰባት እንተይተረፈ፡ 'ዳያበትስ 2' ንዝበሃል ሕማም ሽኮርያ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ብኽልተ ዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።
ብተወሳኺ እቲ መጽናዕቲ፡
- መጠን ተዛምዶ ክብደቶምን ቁመቶምን 35-40 ዝኾኑ ሰባት፡ 'ዳያቤትስ 2' ተባሂሉ ንዝፍለጥ ሕማም ሽኮርያ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ብ 9 ዕጽፊ ዝዓበየ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ንዘጋጥም ጸገም ምቁርራጽ ምስትንፋስ ድማ ብ 12 ዕጽፊ ዝተቓልዑ እዮም።
- መጠን ተዛምዶ ክብደቶምን ቁመቶምን ካብ 40-45 ዝኾኑ ሰባት፡ ን 'ዳያቤትስ 2' ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ብ 12 ዕጽፊ፣ ኣብ እዋን ድቃስ ንዘጋጥም ጸገም ምቁርራጽ ምስትንፋስ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ድማ ብ 22 ዕጽፊ ዝዓዘዘ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት፡ ብዝሒ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓበየ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደት ክርስቲን ሃስ ትገልጽ።
መጠን ተዛምዶ ክብደት ምስ ቁመት፡
- ትሕቲ 18.5 - ትሕቲ ዓቐን
- ካብ 18.5 ክሳብ 24.9- ጥዑይ ክብደት
- 25 ክሳብ 29.9- ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ
- 30 ክሳብ 39.9- ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ
- ልዕሊ 40- ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ
እቲ መጽናዕቲ ካብ 2000 ክሳብ 2018 ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ናይ 2.8 ሚልዮን ሰባት ኩነታት ጥዕና፣ ሞትን ኩነታት ልዕሊ ዓቐን ርጉድን ዘመዛዘነ እዩ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







