ኣመሪካ፡ ናብ ኦሎምፒክ ቤጂንግ-2022 ሰበስልጣን ከምዘይትልእኽ ኣፍሊጣ

ቻይና ቢጂንግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ቢጂንግ

ኣመሪካ ናብቲ ኣብ ቻይና፡ ቤጂንግ: ዝካየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ - 2022 ዝዕደሙ ዲፕሎማሰኛታት ብዘይምልኣኽ ክትሕሰም ምዃና ኣፍሊጣ። ቻይና ብወገና፡ "ኣመሪካ ብውሳነኣ ናይ ኢዳ ክትረክብ'ያ" ክትብል ተሓንያ።

መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ ዝኾነ ልኡኽ ሰበስልጣን ኣመሪካ ነቶም ውድድራት ንምክትታል ናብ ቻይና ኣይክጓዓዝን እዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ቻይና ዝረአ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘሻቕል ብምዃኑ እዩ ክትብል ኣመሪካ ኣነጺራ።

ኣትሌታት ኣመሪካ ግን ክሳተፉ ከምዝኽእሉን መንግስቲ ሙሉእ ደገፍ ከምዝገብረሎምን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣሜሪካ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኻተይ ኣብ ኦሎምፒክ ቤጂንግ-2022 ኣይርከቡን ምባላ ንቻይና ኣቒጢዑ'ሎ።

ንውሳነ ኣመሪካ ዝኾነነ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝሃኦ ሊጂያን: ሃገሩ "ተሪር ግብረመልሲ" ከምእትወስድ ተሓንዩ።

ዝርዝር ካብ ምሃብ ግን ተቖጢቡ'ሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሃገሩ ኣብቲ ውድድር ክብድ ዝበለ ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጢ ክትፈጥር ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረስ ሴክሬታሪ ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ጄን ሳኪ ትማሊ ሰኑይ ከምዘረጋገጸቶ ድማ፡ እቲ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ዘይምልኣኽ ውሳነ ግብራዊ ክኸውን’ዩ።

ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብቲ ናይ ኦሎምፒክ 'ናይ ጽንብል ስነ-ስርዓት' ተሳትፎ ከምዘይህልዎ ኣረዲኣ።

“ሰበስልጣን ወይ ሓለፍቲ ኣመሪካ ብምኽንያት እቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዢንጂያንግ [ኣብ ቻይና እትርከብ ርእሰ ምምሕዳራዊ ክልል] ትፍጽሞ ዘላ ሰፊሕ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ነቲ ውድድር ብዝተፈለየ ኩነታት ኣይክርእይዎን እዮም” ኢላ።

ኣመሪካ ብ1980'ውን ሶቭየት ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ወራር ምስፈጸመት ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ሞስኮ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትሌታታ ስሒባ ምንባራ ይዝከር።

ንተግባር ኣሜሪካ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ድማ ሶቪየት ሕብረትን ፈተውታ ዝኾና ሃገራትን ኣብቲ ብ1984 ኣብ ሎስኣንጀለስ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ከይሳተፋ ኣዲመን ነይረን።

ኣመሪካ ኣብ 2028 ንውድድራት ኦሎምፒክ ሓጋይ ክተታኣናግድ ምዃና ይፍለጥ።

ኣብዚ ናይ ምሕሳም ውሳነኣ ክልቲኦም ሰልፊታት ማለት ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ሓበራዊ መርገጺ ብምሓዝ ኣንጻር ኣብ ቻይና ዝፍጸሙ ዝበልዎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብሉ ወሲኖም ኣለዉ።

ገለ ፖለቲከኛታት ኣሜሪካ ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ኣድማ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን ይብሉ። እዚ ውሳነ “ፍርቂ ስጉምቲ” ከምዝኾነ ዝሓበረ ቶም ኮቶን ዝተባሃለ ሴናተር፡ ኣብቲ ውድድር “ሙሉእ ኣድማ” ክግበር ከምዘለዎ ገሊጹ።

“ኣመሪካውያን ትካላት ንግዲ ንዴሳዊ (ኮሚኒስት) ሰልፊ ቻይና ዝገብርኦ ደገፍ ከቋርጻ ኣለወን። ንጉጅለ ኣትሌታት ኣሜሪካ እውን ናብዚ ንኣትሌታቱ ዝስውር ጽሉእ ስርዓት ክነቃልዖም የብልናን” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ብሪጣንያን ኣወስትራልያን ዝርከብአን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ'ውን ነቲ ብኣሜሪካ ዝተወሰነ ዲፕሎማሲያዊ ኣድማ ክስዕባ ከምዝኽእላ ይግለጽ ኣሎ።

ላዕለዎት ተወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካን ከልኦት ሃገራትን ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት ክዕደሙ ዝተለመደ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ተረኺቡ ምንባሩ ይዝከር።