ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ቻይና ዘካየዶ 'ምስጢራዊ' ዝርርብ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣቦመንበር ጠቕላሊ-ሓለቓታት ስታፍ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ማርክ ሚሊ፡ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ዘመነ-ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ቻይና ምስጢራዊ ርክብ ከምዘካየደ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ከምኡ'ውን ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ንሰራዊት ቻይና ውሕስነት ንምሃብ ዝዓለመ ምንባሩ እቲ ጀነራል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ትራምፕ፡ እቲ ጸብጻብ ዝተሰንዐ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ደገፍቱ ዝኾኑ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ግን እቲ ጀነራል ካብ መዝነቱ ክወርድ ይጠልቡ'ለዉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጀነራል "ልዑል ምትእምማን" ከምዘለዎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣፈኛ ጀነራል ሚሊ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ቴለፎን ዝርርብ "ስትራተጂካዊ ምርግጋእ ንምሕላዉን ውሕስነት ንምሃብን ዘለዎ ግቡእን ሓላፍነትን" ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዝተገብረ ናይ ስልኪ ጻውዒት ናብ ኣዛዚ ሰራዊት ቻይና ጀነራል ሊ ዙቸንግ ዝተገብረ ምንባሩ መርመርቲ ጋዜጠኛታት ዋሽንግተን ፖስት ኣቃሊዖም ነይሮም።
እቲ ርክብ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ድሕሪ ምዝዛሙን፡ ትራምፕ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ምቕባል ድሕሪ ምእባዩን'ዩ ተኻዪዱ።
እቲ 'ፐሪል' (ጥፍኣት) ዘርእስቱ መጽሓፍ ከምዝብሎ፡ ድሕሪ'ቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶታት ኣመሪካ (ካፒቶል) ዝተኻየደ ጎነጽ ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ፡ እቲ ጀነራል "ድሕሪ'ቲ ምርጫ ትራምፕ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ስነ ኣእምሮኣዊ ምንቁልቋል ከምዝተሸመመ ርግጸኛ ኮይኑ"።
እቲ ንውጽኢት ምርጫ ዝተሓረመ ትራምፕ "ካብ ቁጽጽር ወጻኢ" ከይከውን እቲ ጀነራል ሻቕሎት ከምዝሓደሮ'ዩ እቲ ብፍሉጣት ጋዜጠኛታት ቦብ ዉድዋርድን ሮበርት ኮስታን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዘውስእ።
ጀነራል ሚሊ፡ "መንግስቲ ኣመሪካ ርጉእ" ከምዘሎን ኣመሪካ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከምዘይትፍጽምን ብምግላጽ ንቻይናዊ መዘናኡ ጀነራል ሊ ውሕስነት ሂብዎ ይብል፡ እቲ ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዝወጸ ጸብጻብ። መጥቃዕቲ ክውሰድ እንተኾይኑ፡ ክሕብሮም ምዃኑ'ውን ከምዘረጋገጸሎም እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ኑክሌራዊ መጥቃዕቲ እንተ ኣዚዙ፡ ቅድሚ ምትግባሩ እቲ ጀነራል ባዕሉ ከረጋግጾ ከምዘለዎ ንተሓጋገዝቱ ሓቢርዎም ክብል'ውን እቲ መጽሓፍ ኣስፊሩ'ሎ።
ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ጀነራል ሚሊ "ክሕደት ሃገር" ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ፡ ነቲ ጸብጻብ "ስኑዕ ዜና" ክብል ነጺግዎ።
ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ዝኾነ ሪፓብሊካዊ ማርኮ ሩብዮ፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ጀነራል ከባርሮ ጸዊዑ'ሎ።
ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ጄን ፕሳኪ "ፕረዚደንት [ባይደን] ኣብ ልዕሊ መሪሕነት፡ ሓርበኝነትን [ጀነራል ሚሊ) ከምኡ'ውን ንሕገ-መንግስትና ዘለዎ ተማእዛዝነትን ምሉእ ምትእምማን ኣለዎ" ኢላ።
እቲ ጀነራል ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ከምዝኽእል እምነት ከምዘለዎ'ውን ፕረዚደንት ባይደን ኣነጺሩ'ሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







