ኣፍጋኒስታን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣስታት 20 ዓመት ዝተኻየደ ብኣመሪካ ዝተመርሐ ወታሃደራዊ ልኡኽቶ ናብ ምዝዛም ገጹ ምቕራቡ ስዒቡ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓላፍነቱ ኣረኪቡ፡፡
ጀነራል ኡስቲን ስኮት ሚለር፡ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ 31 ነሓሰ ከምዝዛዘም ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስገለጸ ድሕሪ መዓልቲታት እዩ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ዘሎ፡፡
ብሪጣንያ እትርከበን ካልኦት ኣባል ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ቅድሚ እቲ ፕረዚደንት ባይደን ዘቐመጦ ገደብ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ሰራዊተን ኣውጺአን እየን፡፡
ብካሊእ ገጽ ሰራዊት ጣሊባን ብዙሕ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን እናተቖጻጸረ ይርከብ፡፡
ብሰኑይ ኣብ ዝተሳለጠ ጽምብል፡ ጀነራል ሚለር ሓላፍነቱ ንኽልተ ጀነራላት ኣረኪብዎም፤ እቲ ሓደ ጀነራል ኣብ ፍሎሪዳ ካብ ዝርከብ ማእከላይ እዚ፡ ወታሃራዊ ንጥፈታት ሰራዊት ኣመሪካ ዝቆጻጸር እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ነቶም ሰራዊት ኣመሪካ ጠቕሊሉ ምስወጹ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሑ 650 ወታሃደራት ዝመርሕ እዩ፡፡
እቲ ጀነራል ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ወታሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ኣዛዚ ብምዃን ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ እዩ፡፡
ጣሊባን ሰራዊቱ ንኣስታት 85 ምኢታዊት ክፋል ኣፍጋኒስታን ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ ቀረባ ገሊጹ ነይሩ፡፡ እንተኾነ እቲ ኣሃዝ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን፤ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን እውን ኣይተቐበሎን፡፡
ካልኦት ድማ ካብ 400 ወረዳታት ኣፍጋኒስታን እተን ሲሶ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ከምዘለዋ ይገልጹ፡፡
ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይሊታት ኣብ 2001 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዮም ንጣሊባን ካብ ስልጣን ኣልዮምዎ፡፡ እቲ ጉጅለ ነቶም በቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝኽሰሱ ኦሳማ ቢን ላደንን ካልኦት መራሕቲ ኣል-ቃዒዳን ብምዕቋቡ እዩ እቲ ወረራ ተፈጺምዎ፡፡
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ካልኦት ሰበስልጣን ኣመሪካን፡ ጣሊባን ነቲ ኣብ ካቡል ዘሎ መንግስቲ ኣውዲቑ ስልጣን ክሕዝ ኣይኽእልን ዝብል እምነት እኳ እንተሃለዎም፡ ተንተንቲ ጸጥታ ግና እዚ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ሰበስልጣን ኣብ ዘቕረብዎ ገምጋም ሓቢሮም፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







