ጣሊባን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ጠቕሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ሓቲቱ

ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጉጅለ ጣሊባን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ቅድም ኢሉ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ መሰረት ካብ ኣፍጋኒስታን ዘይወጽኡ ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ወረርቲ ከምዝረአዩ ኣፍሊጡ።

እዚ መግለጺ ዝወጽአ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽን መዕርፎ ነፈርቲ ካቡልን ንምሕላው ኣብኡ ክጸንሑ እዮም ምስተባሃለ’ዩ።

ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ ዒስራ ዓመታት ወተሃደራት ኣዋፊሩ ዝነበረ ኾይኑ፡ ሕዚ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ በጺሑ ይርከብ።

እንተኾነ፡ ምውጻእ ወተሃደራት ኔቶ ስዒቡ፡ ጉጅለ ጣሊባን ብዙሓት ከባብታት ዝሓዙ ኮይኖም፤ ዓመጻት በዚሑ ከምዘሎ ይዝረብ።

ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ሓለዋ ጸጥታ እቲ ከባቢ ንበይኖም ክዋጽእዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

ወሃቢ ቃል ጣሊባን፡ ሱሔል ሻሂን፡ ንርእሰ ከተማ ካቡል ምቁጻጽር ፖሊሲ እቲ ጉጅለ ከምዘይኮነ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ቀጠር (ኳታር) ዝርከብ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ወተሃደር ኣብታ ርእሰ ከተማ ክጸንሕ የብሉን።

ሻሒን “ንስምምዕ ዶሃ ብምጥሓስ ኣብታ ከተማ ወተሃደራት ዝገድፉ እንተኾይኖም ግን እንታይ ከም እንገብር መራሕትና ዝብልዎ ክንጽበ” ኢሉ።

ጣሊባን፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ንዲፕሎማት፣ ዓለም ለኸ ትካላት ኮነ ንወጻእተኛታት ዒላማ ከምዘይገብር’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ባግራም ንዝተብሃለ ወተሃደራዊ መዓስክር ለቒቖም ምውጸኦም ታሪኻዊ ኢልዎ ነይሩ።

ምስ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ፤ ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ሓይልታት ጣሊባን ድማ፡ ከም ኣልቃይዳን ከምኦም ዝበሉ ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ኣብቲ ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ከይንቀሳቐሱ ዝብል ይርከቦ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ቅድሚ መበል 20 ዓመት መጥቃዕቲ 9/11 ዝኽበረሉ እዋን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ጠቕሊሎም ንኸወጽእ ዝብል ይርከቦ ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣፍጋኒስታን ግን፡ እቲ ምልቃቕ ሓላፍነት ዝተኸተለ ኣይኮነን ይብል።

ራዝዋን ሙራድ፡ ‘’መንግስቲ ንዝርርብን ዘተን ቅሩብ እዩ ፤ ሕዚ ጣሊባን እዩ ሓላፍነት ወሲዱ ክንቀሳቐስ ዝግበኦ’’ ኢሉ።

ሻሂን ግን፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላም ምዝራግ ኢድ የብሉን ይብል።

ኣብዝሓ ከባብታት ኣብ ኢድ ጣሊባን ዝወደቑ፡ እቶም ወተሃዳራት ኣፍጋን ‘ኣይንታኾስን’ ኢሎም ምስ ወሰኑ ብዝተገብረ ዝርርብ እዩ ኢሉ።

ጣሊባን ሕዚ ዳርጋ ርብዒ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ እዩ ዝገልጽ። እቲ ጉጅለ፡ እቲ መንግስቲ ምስ ጣሊባን ክዘራረብ ቅሩብ ኣይኮነን ዝብል ገምጋም’ዩ ዘለዎ።

ኣብ 2001 ኣመሪካ እትመርሖም ሓይልታት ኔቶ፡ ንጉጅለ ጣሊባን ካብ ስልጣን ከምዘባረረ ዝዝከር እዩ። እቲ ጉጅል፡ ንዖስማን ቢን ላደን ኮነ ካልኦት መራሕቲ ኣልቃኢዳ ይሕግዝ ነይሩ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ።

ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን፡ እታ ሃገር ድሕሪ ሕዚ ሽግራት ጸጥታ ባዕሉ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ተዛሪቡ ኣሎ። ተዓዘብቲ ግና ሓይልታት ጣሊባን፡ ደጊሞም ስልጣን ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግምቱ።