ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቻይና 'ሕግታት ዓለምለኸ ርክባት' ክተኽብር ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን: ቻይና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጨቋኒት ኮይና እንላ፡ ኣብ ርክባት ወጻኢ ግና ‘ኣዝያ ትህንደድ ኣላ’ ክብል ነቒፉ።
ምስ ማዕኸን ቴሌቪዥን ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ኣመሪካ ንቻይና ንምትዕንቓፍ ውጥን ከምዘይብላ እንተኾነ ግና ‘ሕግታት ርክባት ዓለም ጥሒሳ ክትንቀሳቐስ ከምዘይትዕገሳ’ ተዛሪቡ።
ወተሃደራዊ ግጥም፡ ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብመሰረቱ ዝጥቅም ከምዘይኮነ ግን ኣስሚርሉ።
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ጉዳይ ንግዲ፣ ስለላን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ መንጎአን ወጥሪ እናዓሰለ መጺኡ ኣሎ። ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ንባዕለን ኮነ ነቲ ዝተረፈ ሰፊሕ ዓለም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ እናንቆልቆለ ዝመጽአ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ምምሕዳር ጆ ባይደን ክመሓየሽ ጻውዒት ክገብር ጸኒሑ ኣሎ።
ሚስተር ብሊንከን ነቲ ማዕኸን ቴሌቪዥን ከምዝበሎ፡ ጆ ባይደንን መራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግን ኣብ ወርሒ የካቲት ኣብ ዝገበርዎ ፈላማይ ንክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ነይሮም።
“ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ቻይና ዝፈጸመቶም ገለ ተግባራት ሻቕሎት ከምዘለና ግልጺ ገይርሉ እዩ። ንሱ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ቁጠባ፡ ንከም ጉሕለት ዋንነት ምህዞ ዝሓውስ እዩ” ኢሉ።
ኣመሪካ ካብ ቻይና ብመልክዕ ንግዳዊ ምትላላትትን ስርቂ ዋንነት ምህዞን፡ ብብዙሕ ቢልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ከምዝጓሓለት እንተገለጸት’ኳ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ቃለ መሓትቱ፡ ንቻይና ‘ጸላኢትና’ ኢሉ ብግልጺ ካብ ምጽዋዕ ተዓቂቡ።
“ምስ ቻይና ዘይምዝርራብ እንኽእለሉ ኩነት ኣይኮነን ዘለና። ርግጽ እቲ ርክብ ሕልኽልኽ ብዝበሉ ነገራት ዝተቖላለፈ እዩ። ኣብ ጽልኢት ድዩ ክምርኮዝ፤ ኣብ ንሕንሕ ወይስ ኣብ ምትሕብባር ገና ኣይነጸረን” ኢሉ።
ይኹን’ምበር፡ ዋላ’ኳ ቻይና ብዘይ ፍትሓዊ ሕግታትን ኣብ ቅርሕንቲ ዝተመርኮዘን ንሕንሕ እንተገበረት፡ ምስ ከምዚ ከማና ዝሓስቡ ሃገራት ኮይንና ‘ከምኡስ ኣይከውንን፤ ኣይንጻወረክን’ ክንብላ ከምዘለና ይስመዐኒ፤ ከምኡ ኣብ ምግባር ድማ ውጽኢታዊ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና” ክብል ኣረዲኡ።
ሚስተር ብሊንከን ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝካየድ፡ ኣባል ጉጅለ-7 ብኣካል ገጽ ንገጽ ዝረኣይሉ ኣኼባ፡ ንምስታፍ ክገይሽ እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ንኣባላት ኮንግረስ ቀሪቡ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ምስ ቻይና ጎንጺ ይፍሕጥር ከምዘየሎን ፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ‘ናይ ዓለም ጎብለል ንምዃን ዝግበር ንሕንሕ’ ብጸጋ ከምዝቕበሎን ከምዝገለጸሉ ተዛሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







