ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ግንባር ድሕሪ ምኽታቱ ንፈለማ እዋን ኣብ ተለቪዥን ተራእዩ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian state media

መግለጺ ስእሊ, ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብቐረባ ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸይድ ብሰኑይ ገሊጹ ነይሩ

ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብቐረባ ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸይድ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ተራእዩ።

ኣብቲ ባዕሉ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ናይ ቪድዮ ምስሊ፡ ኣብ ሓደ በረኻ ብወተሃደራት ተኸቢቡ፡ ራድዩ ርክብ ሒዙ ይርአ።

ካብቲ ቦታ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለመሕትት፡ ሓይልታቱ ገለ ጎቦታትን ካሳጊታ ዝተባህለ ቦታን ከምዝሓዙ ብምግላጽ "ሎሚ ድማ ጭፍራን ቡርቃን ክንሕዝ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ንቕድሚት ይግስግሱ ምህላዎም'ዮም ዝዛረቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ነታ ኣብ መስመር ደሴ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ከተማ ሽዋሮቢት ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ብሰኑይ ነቲ ኲናት ብቐረባ ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸይድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ከባብታት ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ከምዘካየደ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ ደብዳብ 'ዲያስፖራ' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ሲቪላውያን ዝነብርሉ ከባቢ ከምዝተፈጸመን፡ ክልተ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነዉን ተዛሪቦም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ "ኣብ ከተማ መቐለ ሲቪላት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ደብዳብ ድሮን ፈጺሙ" ክብል ብዓርቢ ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትሓዝ ናይተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን፡ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ምእዋጁ ይዝከር።

በቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዝሰግኣ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ፡ ዜጋታተን ካብታ ሃገር ክወጹ ይጽውዓ ኣለዋ።

በቲ ውሳነ ዝተቖጥዑ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን፡ እቲ መግለጺታት ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ ብምባል ይቋወምዎ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ማዕከናት ዜናን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዘይ ፍቓድ ሰብመዚ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝኾነ ሓበሬታ ከየቃልሓ ዝእግድ መምርሒታት ኣውጺኡ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሖ ጉጅለ ናብ ትግራይ ብምብጻሕ ምስ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ከምዝተራኸበ ሓደ ካብ መራሕቲ ህወሓት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን ብወገን ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያን ብዛዕባ ምብጻሕ ናይቲ ኣምባሳደር ኣብ ትግራይ ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ኣይሃቡን።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ኣብታ ሃገር ድሕነታውን ሰብኣውን ቅልውላዉ ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ።