በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘየሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN CIVIL AVIATION AUTHORITY/FB
በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዝግበር ዝኾነ ዓይነት በረራ ውሑስን ድሕነቱ ዝተሓለወን ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል ስልጣን ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣመሪካ (ኤፍኤኤ) ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ “ነፈርቲ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ኣብ መሬት ወይ’ውን ካብ መሬት ናብ ኣየር ንዝትኮሱ ኣጽዋር ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም” ምባሉ ስዒቡ እዩ።
እቲ በዓልስልጣን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ወሲኽካ ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ንዝግበሩ በረራታት ብምልኦም ዘስግእ ከምዘየሎን ድሕነቶም ዝተሓለወን እዩ ኢሉ።
ወሲኹ’ውን ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝግበር በረራ ብዝምልከት ዝወጽአ መጠንቀቕታን ዝተዘርግሐ ጸብጻባትን “መሰረት ዘይብሉን ምስቲ ሓቂ ፍጹም ዝጻረር እዩ” ኢሉ።
እቲ በዓልስልጣን፡ ድሕነት ክሊ ኣየርን መዕርፎ ነፈርትን ውሑስን ዘተኣማምንን ምዃኑ ንምርግጋጽ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ንተጠቀምቲ ከረጋግጽ ከምዝፈቱ ብምግላጽ ነዚ’ውን ኣድላዪ ዓለምለኻዊ መምርሒታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ሓቢሩ።
ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣመሪካ ኣብቲ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተኣሳሰር ንናይ ኣየር በረራ ስግኣት ከምዘሎ ብምጥቃስ፤ ብፍላይ ኣብ እዋን ምዕላብን ምብጋስን ሓዊሱ፡ ትሕት ብዝበለ ብራኸ ዝበሩ ነፈርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ መኺሩ።
ኣዲስ ኣበባ ዋና ማእከል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ካብ ምዃና ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ዓለምለኻዊ መገዲ ኣየራት ንኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ይጥቀሙ።
ኤፍኤኤ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ ብዛዕባ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸሰተ ነገር ኮነ ስግኣት ብዛዕባ ምህላው ኣይገለጸን፤ እንተኾነ ግና እቲ ኲናት እናበኣሰ እንተመጺኡ ጥንቃቐ ክግበር መኺሩ።
በዓልስልጣን ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ግና ኣብ መላእ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ንመጉዓዝያ ኣየር ዘስግእ ኩነተት ከምዘየሎ ሓቢሩ።
ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት እንዳገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ዜጋታታ ካብታ ሃገር ክወጹ ብተደጋጋሚ ኣተሓሳሲባ እያ።
መንግስቲ ግና ከምዚ ዓይነት መጠንቀቕታ ንምሃብ ዝድርኽ ናይ ድሕነት ስግኣት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከምዘየሎ ብምጥቃስ ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







