ካናዳ: ኣብ ከባቢ ቫንኩቨር ብርቱዕ ህቦብላ መስመራት መጉዓዝያ ቆሪጹ

ምንጪ ስእሊ, BC Ministry of Transportation and Infrastructure
ኣብ ከባቢ ቫንኩቨር - ካናዳ ብርቱዕ ህቦብላ ንመስመራት ጽርጊያን ባቡርን ከምዝቖረጸ ተገሊጹ።
ነታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንእትርከብ ከተማ ዘራኽቡ ክልተ መስመራት ብብርቱዕ ውሕጅ ዓንዮም።
እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ 100 ዓመታት ሓንሳእ ዘጋጥም ዘይንቡር ምዃኑ ሰብ መዚ ገሊጾም።
ኣብቲ ጽርጊያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ክትሞት እንከላ፡ እንተወሓደ ካልኦት ክልተ ሰባት ደሃዮም ተሳኢኑ ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓቢሮም።
በቲ ብሰኑይ ዘጋጠመ ህቦብላ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ተገዲዶም ኣለው።
ሬሳ እታ ሰበይቲ ካብ ቫንኩቨር ኣስታት 250 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሊሉወት ከምዝተረኽበ ፖሊስ ካናዳ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ በቲ ምህማም መሬት ናይ ዝተጎብጡ ዝጠፍኡን መካይን ብዝሒ ገና ከነጽር ከምዘይከኣለ ሰርጌንተ ጃነል ሾይሀት ምግላጻ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ካቲ ሬኒ ዝተባሃለት ምስክር ዓይኒ ንማእከን ዜና ሲቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ዝሃመመ መሬት ኣብ ደቡብ ሊሉወት ተር ኢለን ንዝነበራ መካይን ክጎብጥ ከም ዝረኣየት ተዛሪባ።
"ቁሊሕ ምስ በልኩ፡ ክፋል ናይቲ ጎቦ ብምልኡ እዩ ናብ ታሕቲ ገጹ ዝመጽእን ነተን መካይን ይማልአንን ነይሩ፤ ንኹሉ ጸራሪጉ ወሲድዎ። ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ።"
ሚኒስተር መጓዓዝያ እቲ ዞባ ሮብ ፍለሚንግ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ መላእ ክፈለ ዘበን እቲ ዝኸፍአ ህቦብላ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ነበርቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ናብ ካልእ ስፍራ ክግዕዙ ተገይሩ።
ብሰኑይ ኣስታት 7000 ዝኾኑ ነበርቲ ናይታ ካብ ቫንኩቨር ከባቢ 193 ኪሜ ርሒቓ ናይ እትርከብ ከተማ መሪት፡ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ኣሎ።
ኣብኡ ብሰሉስ ውርጪ ክወድቕ እንከሎ፡ መካይን ኣብ ዝበረደ ውሕጅ ማይ ጸምበለል ክብላ ተራእየን።
ብምቁራጽ እቲ ጽርጊያ ንዝተኸርደኑ ኣስታት 300 ዝኾኑ ነበርቲ ኣጋሲዝ ንምድሓን ሄሊኮፕተራት ከምእተዋፈራ'ውን ተገሊጹ።
እቲ ናይ ሰኑይ ዝናብን ንፋስን ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፡ ብዙሓት ማሕበረሰባት ገና ተዓጊቶም ኣለው።
ገለ ክፋል ናይቲ ንቫንኩቨር ምስ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ዘራኽብ ቀንዲ መስመር 'ትራንስ-ካናዳ ሃይዌይ' ኣብ ትሕቲ ማይ ጥሒሉ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







