ካናዳ፡ ብሰንኪ ሓያል ሙቐት ዝጋጠመ ባርዕ ዓድታትን ጫካታትን ይቃጸል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, 2 Rivers Remix Society
ኣብታ ኣብ ካናዳ ሓያል ሙቐት ዘጋጠማ ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ሓንቲ ዓዲ ብሰንኪ ባርዕ ጫካ 90 ሚኢታዊት ካብ ክፋል እታ ዓዲ ኣቃጺሉ።
እቲ ባርዕ ጫካ ከቢድ ሓደጋ ዕንወት ከም ዘስዓበ'ውን ተገሊጺ።
ከንቲባ ሊቶን ጃን ፖልዴርማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቢ ቃል "ብህይወት ምውጽአይ'ውን ዕድለኛ'የ" ኢሉ።
እታ ከተማ ብሓዊ ከም ዝነደደት ዝገለጸ እቲ ከንቲባ "ኣብ ሊቶን ዝተርፍ ነገር ኣይምሃለወን፤ ኣብ ኩሉ ሸንኽ ባርዕ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን እታ ዓዲ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ዝተባህለ 49.9 ኢግሪ ሴንቲ ግሬት ዝዕቀን ዋዒ ኣመዝጊባ።
ዘይተለመደ መጠን ዋዒ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ኣመሪካ'ውን ክምዝገብ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ምዕራብ ካናዳ ኣብ እትርከብ ብሪትሽ ኮሎምቢያ ብዘጋጠመ ሙቐት 486 ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ እታ ሃገር ብዘጋጥም ሙቐት ብዝተኣሳሰር ዘጋጠመ ሞት ሰለስተ ጥራይ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
መብዛሕትኦም እቶም ሕጂ ዝሞቱ ኣብ ገዝኦም መዝሓሊ ዘይነበሮም በይኖም ዝቕመጡ ዝነበሩ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኣብ ሊቶን እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ብሮቡዕ፡ ኣብታ ካብ ሰሜን ምብራቕ ቫንኮቨር 260 ኪሎ ሜትሮ ርሒቖም ዝርከቡ ኣስታት 250 ነበርቲ ዘለውዋ ዓዲ ትክን ሃልሃልታን ምስ ርኣዩ ጥራይ ኢዶም ይሃድሙ ነይሮም።
"ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ግን እታ ከተማ ብሃልሃልታ ተዓብሊኻ" ይብል ከንቲባ ፖልዴርማን።
ብሮቡዕ ኣጋ ምሸት ኣብ ሰዓት 71 ኪሎ ሜትሮ ዝጉዓዝ ንፋስ ከም ዝነበረ ክኢላ ሜትሮሎጂ ሲቢሲ ጆሃን ዋግስታፍ ክገልጽ እንከሎ ውዑይ፣ ደረቕን ንፋስ ዝተወሓወሶን ኩነታት ኣየር ምህላው ማለት ኣብ ሰዓት ካብ 10 ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ ዝጉዓዝ ባርዕ ኣሎ ማለት'ዩ ይብል።
ኣባል ባይቶ ብራድ ቪስ ብምኽንያት እዚ ሃንደበታዊ ሓደጋ ዕለታዊ ስርሑ ክሳለ ከሳልጥ ከም ዘይክኣለ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
"ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ከም ዘለው ይግለጽ ኣሎ፤ እቲ ኩነታት ከኣ ቀጻሊ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።
ቫንኮቨር ዓባይ ከተማ ብሪትሽ ኮሎምቢያ ኮይና ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ዘጋጠመ ሞት 65 ሰባት ምስቲ ዋዒ ዘተኣሳስሮ ጉዳይ ከም ዘሎ ይዝረብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 25 መዝሓሊ ኣየር ዘለዎም ማእከላት ከፊታ ትርከብ።
ሰብ መዚ ጥዕና ኣመሪካ ግዝኣት ኦርጎን ብምኽንያት እዚ ሕሉፍ ሙቐት ልዕሊ 60 ሰባት ከም ዝሞቱ ክገልጹ እንከለው ዋሽንግተን ምስቲ ኩነታት ኣየር ብዝተሓሓዝ ሞት 20 ሰባት ከም ዘመዝገበት ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ሲያትል፣ ፖርትላንድን ካልኦት ከተማታትን ዝበዝሕ ግዜ ልዕሊ 46 ዲግሪ ሴንቲግሬት ዝኸውን ሙቐት የመዝግባ እየን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶን ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ስግኣት ባርዕ ጫካ ከም ዘሎ ኣጠንቂቐም።
ብፍላይ ባይደን ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ምዕራብ ኣመሪካ "ኣዝዩ ከቢድ" ክኸውን ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







