ቅልውላው ትግራይ፡'ክንወጽእ ምዃንና ብውልቀይ ሓበሬታ ኣይነበረንን' ከንቲባ ግዝያዊ ምምሕዳር መቐለ

ኣብ ከተማ መቐለ ክዝቲ ዝቐኔ መድረክ ሙሁራትን ፖለቲኸናታትን ብርክት ዝበሉ ዛእባታት ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, DT

ኢንጂንየር ይግዛው ሓጎስ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጊዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ብሰኑይ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ነታ ከተማ ገዲፉ ክወጽእ እንከሎን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ነታ ከተማ ይቆጻጸሩዋ ምህላዎም ምስ ተሰምዐን ግን፡ ኢንጅነር ይግዛውን ካልኦት ኣባላት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም።

ክሳብ ሰራዊት ምክልኻል ካብታ ከተማ ዝወጽአላ መዓልቲ፡ እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ንሱ ይኹን ካልኦት ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኣመራርሓ 'ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበረን'።

ንኩሎም ሃንደበት ኮይኑዎም።

"ክንወጽእ ምዃንና ብውልቀይ ሓበሬታ ኣይነበረንን፤ ይመጽኡ ከም ዘለዉ እውን ኣይተነገረናን። ናይ ሓይሊ ሚዛን ለውጢ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን፤ ኣብ ስራሕና ኢና ነይርና" ይብል፡፡

ይኹን'ምበር ኣባላት ካቢኔ እታ ከተማ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ "ኣብ ሓደ ቦታ ተኣከቡ" ተባሂልና ኔርና ዝብል ኢንጂንየር ይግዛው ዳሕራይ ግን ሰራዊት ነታ ከተማ ገዲፉ ይወጽእ ምህላዉ ከም ዝተነገሮም ይዛረብ።

"ምሳይ ዝነበሩ ካቢኔ ይፈልጡ እዮም፤ ዝደለዩ መጺኦም ዘይደለዩ ተሪፎም'' ብምባል ድማ እቲ ምግዓዝ ኣብ ድልየት ዝተመስረተ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ወተሃደራዊ ወጻኢ ከይሓወሰ መንግስቲ ፌዴራል 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከም ዝሓተቶ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝሒ ዘለዎም ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ከም ዝተቐትሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ብዝሖም ክንደይ ዝኣክል'ዩ ንዝብል ግን ብግልጺ ኣየቐመጠን።

ብሮቡዕ መግለጺ ዝሃበ ኣምባደር ሬድዋን ሑሴን ምውጻእ ሰራዊት ምክልኻል ፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ብምግላጽ "እዚ ፖለቲካዊ ውሳነ ይቀየር እንተተባሂሉ እቲ ሰራዊት መቐለ ክኣቱ ይኽእል'ዩ" ምባሉ ይዝከር።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ሕብረት ኣውሮጳን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኣብቲ ክልል ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥሜት ንምግታእን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን 'ተጻብኦታት ክቋረጹን' ብዘይገደብ መንገዲ ክኸፍትን ንፌዴራል መንግስቲ ክሓቱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ሰራዊቱ ካብ መቐለ ዝሰሓበ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ካብቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ብዝቐረበሉ ሕቶ መሰረት 'በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ከም ዝኣወጀ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ከቢድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ተሳዒሩ ከካብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ክወጽእ ከም ዝተገደደ ዝገልጹ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ግና ኣብቲ ክልል ዘለዉ ሓይሊታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክሳብ ዝለቁ ቃልሶም ከም ዝቕጽሉ ገሊጾም።

ሰራዊት እንትወጽእ ነታ ከመሓድራ ዝጸንሐ ከተማ ገዲፉ ዝወጽአ ኢንጅነር ይግዛው "ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኣይነበረንን" እዩ ዝብል።

ክሳብ ካብታ ከተማ ዝወጸላ ሰዓት 10፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ስራሕ ቦትኡ ከም ዝነበረ ዝገልጽ እቲ ከንቲባ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንድሕነቱ ብምስጋእ እምበር ዝኾነ ዘሰከፍ ነገር ከም ዘይነበሮ ይገልጽ።

''ኣነ ብውልቀይ ስርሐይ'ዩ ዝዕቅነኒ፤ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ነገር ክርሕ እየ መጺአ። ኣብቲ ከተማ ምልክታት ዝምታ ስለ ዝረአኹ እየ ወጺአ፡፡ ሰብ ስለ ዝኾንኩ ከኣ ድሕነተይ ክሕሉ ወጺአ። ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ክምለስ ዝሓስብ እምበር ካብ ገዛይ ዝወጽአሉ ነገር የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት ቀጻሊ ዕጫ እቲ ተሰዲዱ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ዘሎ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣዘራራቢ ኮይኑ እዩ ቀንዩ።

ኢንጂንየር ይግዛው ሓጎስ እውን ዛጊድ ብዛዕባ ዝወሃቦ ዕዮ ዝፈለጦ ነገር ከም ዘየለ እዩ ዝዛረብ፡፡

''ኣነ ዝፈልጦ ነገር የለን፤ እንታይ እዩ ክኸውን ዝብል ላዕለዋይ ኣካል እዩ ዘድልዮ። ብመሰረቱ ኣነ ፖለቲከኛ ክኾን ኣይመጻኹን፤ በዓል ሞያ እየ፡፡ ኣነ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዕጫ እምበር ናይ ውልቀይ ዕጫ ናብ ዝኸድኩ ከይደ ኣየሕስበንን'' ኢሉ።

ድሕሪ እቲ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ሰራዊት ምክልኻል ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ምስ ተቖጻጸረን ከምኡ'ውን ነቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ መንግስቲ ካብ ቦትኡ ምስ ተኣለየ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ነቲ ክልል ዝመርሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣጣይሹ።

ዶ/ር ሙሉ ነጋ መጀመርታ ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ገዲፉ ክሳብ ዝወጽእ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ፈጸምቲ ስራሕ እቲ ጊዝያዊ መምሕዳር ኮይኖም ነይሮም።

እቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ፡፡

ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም፤ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት'ውን ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከም ዘለዉ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ክልል ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ኢንተርነትን መጓዓዝያን ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪጹን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘሎን እቶም ትካላት ይገልጹ ኣለዉ።