ቅድሚ 5000 ዓመት ብሕማም ተላገብ ዝሞተ ሰብ ኣስክሬን ተረኺቡ- ተመራመርቲ

ምንጪ ስእሊ, Dominik Goldner, BGAEU, Berlin
ተመራመርቲ፡ በቲ ዳሕራይ 'ብላክ ደዝ' (ሕማም ፌራ) ተባሂሉ ዝተጸወዐ ኣብ መላእ ኣውሮጳን ኤስያን ሚልዮናት ሰባት ዘህለቐ መበገሲኡ ንምፍላጥ ክሕግዞም ዝኽእል፡ ቅድሚ 5ሽሕ ዓመታት በቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ ኣስክሬኑ ከምዝረኸቡ ኣበሲሮም።
እቲ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ላቲቭያ ዝሞተ ሰብ፡ ጠንቂ ሞቱ ሕማም ተላገብ ከምዝኾነ እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣቢሉ ዝጀመረ ሕማም ተላገብ ኣብ 1300ታት ኣብ ኣውሮጳ ንፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ እታ ኣህጉር ከምዘጽነተ ይግለጽ፥
እቲ ተላባዒ ሕማም ኣብ 1300ታት ናብ ኣውሮጳ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ዘመናት ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ከምዘህለቐ'ዩ እዚ መጽናዕቲ ዘረድእ።
ዶክተር ቤን ክራውስ ክዮራ ካብ ዩኒቨርስቲ ከይል ጀርመን "እዚ ኣስክሬን 5300 ዓመታት ዘቁጸረ'ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ብዝተገበረ መርመራታት እዚ ኣስክሬን፡ እቲ ዝቐደመ ብሕማም ተላገብ [ተላባዒ ሕማም] ዝሞተ ሰብ ምዃኑ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና" ኢሉ።
እቲ ሬሳ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ኣብ ኣብ ላቲቭያ ኣብ ጥቃ ፈለግ ሳላክ እዩ ተረኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Harald Lubke, ZBSA, Schloss Gottorf
እቶም ተመራመርቲ ካብ ኣዕጽምትን ስንን እቶም ኣስክሬን ቅምሶ ብምውሳድ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ብምግባር ኣብቲ ኣስክሬን ባክተርያ ወይ ቫይረስ እንተነይሩ ንምፍላጥ'ዮም ፈቲኖም።
ኣብ ሓደ ካብቶም ኣስክሬናት፡ ክመውት እንከሎ ወዲ ዕስራታት ዝነበረ ብሰንኪ የርሲና ፐስቲስ ዝተብሃለ ዓይንት ባክተርያ ክስዕብ ዝኽእል ዓይነት ተላጋቢ ሕማም ከምዝነበሮን ብሰንኩ ከምዝሞተን ክፈልጡ ኽኢሎም።
ዶክተር ቤን ክራውስ ክዮራ፡ "ብምጹጹላይ ምስ ተነኸሰ እቲ የርሲማ ፐስቲስ ዝተብሃለ ቫይረስ ተመሓላሊፍዎ ይኸውን፡ ብድሕሪኡ ድሕሪ መዓልታት፡ ወይ'ውን ሰሙን በቲ ዝጋጠሞ ብርቱዕ ረኽሲ'ዩ ሞይቱ" ኢሉ።
መርመራ እቲ ተላባዒ ሕማም ኣብ ማእከላይ ኣውሮጳ ሕራሻ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ግምታት ዘለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Dominik Goldner, BGAEU, Berlin
እቶም ተመራመርቲ እቲ ባክተርያ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ምስሓለፈ ቀልጢፉ ከምዘይተላበዐ'ዮም ኣብ መርትዖ ዝተመርኮስ ግምታት ዘቐምጡ።
እቲ ባክተርያ ምስ ግዜ ቅርጹን ጠባዩን እናቐያየረ፡ ኣብ ሰብ ክላበዓሉ ናብ ዝኽእል ደረጃ ከምዝፈለቐን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቁንጪ እናተመሓላለፈ ኣብ ኣውሮጳ ሚልዮናት ሰባት ከምዘህለቐን እዩም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
ኣብ መጀመርታ ዝነበሩ ተላባዕቲ ሕማማት ንምንታይ ብዘገምታ ይላብዑ ነይሮም ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ተመራመርቲ ኣውሮጳን ኤስያን መልሲ ንምርካብ ብድሆ ኮይንዎም'ዩ ዝርከብ።
ገለ ገለ ተመራመርቲ እዚ ሕጂ ሓዲሽ ዝተቃለሐ ርኽበት ናይዚ ኣስክሬን ብጸጋ ክቕበልዎ እንከለዉ፡ እቲ ለበዳ ኣብቲ እዋን'ዩ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣስፋሕፉሑ ንዝብል መደምደምታ ግን እዚ ርኽበት ንበይኑ መልሲ ከምዘይኮነ'ዮም ዝማጎቱ።
ሰባት በቶም ባክተርያ ዘለዎም ምጹጽላይ ወይ ብቁንጪ ምስ ዝንከሱ በቲ ተላባዒ ሕማም ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ኣለዎም፡ እቲ ሕማም ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ዓለም ኣሎ፡ እንተኾነ ብጸረ ባክተርያ ክሓዊ ዝኽእል ሕማም እዩ ኮይኑ ዘሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







