ኢራቕ ኣስክሬናት ጃምላዊ መቓብር ክተውጽእ ጀሚራ

መርመርቲ ኣስከሬን ኢራቕ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ 13 ሰነ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ኣይኤስ መብዛሕትኦም ተኸተልቲ ሺዓ እስልምና ንዝኾኑ ልዕሊ 600 እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባዶሽ ቀቲሎም

ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ኣብ ኢራቕ ጥቃ ከተማ ሞሱል ብጅምላ ናይ ዝቐተልዎም 123 ሰባት ኣስክሬኖም ይወጽእ ኣሎ።

ካብ ኣዝማድ እቶም ብጅምላ በቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዝተቐተሉ ሰባት ብዝተወሰደ መርመራ ዲኤንኤ ኣስክሬናት ናይቶም ዝሞቱ ይፍለ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቶም ብጅምላ ዝተቐተሉ ግዳያት ካብ መንጎ እቶም ኣብ ባዶሽ ተኣሲሮም ዝነበሩን ኣብ 2014 ኣይኤስ ዝቐተሎም ልዕሊ 600 ዝኾኑ ተኸተልቲ እምነት ሺዓ እስልምና እዮም።

ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ነቲ ብዙሓት እሱራት ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ብሓዊ ብምቅጻል ነቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ተኸተልቲ እምነት ሱኒ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣውጽእዎም ነቶም ተኸተልቲ ሽዓ ብመኪና ናብ ሓደ ገደል ብምውሳድ ብጥይት ከምዝቐተልዎም’ዩ ሰነዳት ዝሕብር።

ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤሰስ ካብ ምብራቕ ኢራቕ ክሳብ ምዕራብ ሶርያ ዝዝርጋሕ ልዕሊ 88,000 ትርብዒት ኪሎሜተር ብምቁጽጻር ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ብኣዝዩ ኣሰቓቒ ኣገባብ የመሓድሮም ከምዝነበረ ይግለጽ።

እቲ ቦታታት ነጻ ክወጽእ ምስ ጀመረ፡ እቲ ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርቲ ብዘይ ፍርዲ ቅትለት፤ ምስቃይ፤ ብስሕለት ምሕራድን ብሄርን ሃይማኖትን ዕላማ ብምግባር ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ዓመጻት ብምክያድ ኣዝዩ ከበድቲ ጥሕሰታት ሕጊ ከምዝፈጸመ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኢራቕ ጥራይ ልዕሊ 12 ሽሕ ኣስክሬናት ዝተረኸቦ ልዕሊ 200 ጃምላዊ መቓብራት ከምዝተረኸበ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ገበን ኵናትን ምጽናት ዓሌትን ከስዕብ ዝክእል ገበንን ከምዝፈጸመ ገሊጹ ነይሩ።

ዓባስ መሓመድ ዝተብሃለ ወዱ ኣብ 2005 ኣብ ባዶሽ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝገልጽ ሓደ ወላዲ “ን17 ዓመት ወደይ ብህይወት ይሃሉ ይሙት ዝፈልጦ ነገር የለን፡ ሕጂ ግን መልሲ ይደሊ ኣለኹ” ብምባል ንኤኤፍፒ ገሊጹ።

ኣብ መመርመሪ ሬሳ ባቅዳድ ፡ ሓላፈ ክፍሊ ጋህስታት ጃምላዊ መቃብር፡ ዶክተር ያስሚን መንዘር ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣስክሬን ናይ ኣዝማዶም ንምልላይ ልዕሊ 100 ሰባት ቅምሶ ከምዝሃቡ ገሊጹ።