የመን፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ናብ ሶማልያ ቅድሚ ምብራሮም፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ዓደን የመን 26 መስከረም 2016

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም የመን ብምጥሓላ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ከይሞቱ ከምዘይተርፉ ተገሊጹ፡፡

ኣብ የመናዊት ግዝኣት ላህጅ ዝርከቡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ራስ ኣል-ኣራ ዝርከብ ማያዊ ኣካል ናይ 25 ስደተኛታት ሬሳ ከምዘውጽኡ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ገሊጾም፡፡

ሓደ በዓል ስልጣን እታ ግዝኣት ድማ ካብ 160 ክሳብ 200 ሰባት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ከምዝተገልበጠት ተዛሪቡ፡፡

ዓለም ለኻዊ ትካል ንስደተኛታት (ኣይኦኤም)፡ ነቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ከምዝጠሓለት ዝገልጽ ጸብጻባት የጻርዮ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ‘‘ጉጅለ ኣይኦኤም ኣብ ባይታ እዩ ዘሎ፤ ጠለብ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ንምምላእ ድሉው እዩ’’ ክብል ገሊጹ፡፡

ኤደን ኣል-ግሃድ ዝተባህለት ድህረ ገጽ የመን ድማ፡ ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ኣስታት 150 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉን፡ ካብቶም ዘይተረኸቡ ኣርባዕተ የመናውያን ከምዝርከቡዎምን ምንጪታት ጠቒሳ ሓቢራ፡፡

ራስ ኣል-ኣራ ካብቲ ንየመንን ጅቡቲን ዝፈልን ቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ኤደን ዘራኽብን መጻብቦ ባብ ኣል-ማንዳብ ንኣንፈት ምብራቕ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝጥቀሙሉ መስመር እዩ፡፡

ኣብ ቀረባ ዓመታት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ብቐንዱ ካብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተበገሱ ስደተኛታት ናብ ስዑድ ዓረብ ንምብጻሕ በዚ መስመር ኣቋሪጾም እዮም፡፡

መብዛሕተን እዞም ኣዘዋወርቲ ዝጥቀሙለን ጀላቡ ድማ ዝተጨነናቓን ነቲ ባሕሪ ዘይምጥናን ብምዃነን ነቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ እትምራሕ ጀልባ፡ ካብ የመን ናብ ጅቡቲ እናተጉዓዘት ብምጥሓላ ብውሑድ 44 ስደተኛታት ሞይቶም እዮም፡፡

ጸብጻብ ኣይኦኤም ከምዝሕብሮ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብታ ሻድሻይ ዓመታ ብሕድሕድ ኲናት እትሕመስ ዘላ የመን ምስበጽሑ፡ ስድረኦም ገንዘብ ክሳብ ዝኸፍሉ በቶም ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ንመዓልቲታት ገሊኦም ድማ ንኣዋርሕ ጅሆ ይተሓዙ፡፡

ኣብዚ ዓመት 5,100 ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝሰገሩ ዝገልጽ ኣይኦኤም፡ እቲ ቑጽሪ ኮቪድ-19 ካብ ዝኽሰት ናብዚ ከምዝቐነሰን ምስቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ 35,000 ን ኣብ 2019 ዝነበረ 127,000 እንትነጻጸር ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ኮይኑ ግና ዶብ ስዑድ ዓረብ ብምዕጻዉን ዕድል ስራሕ ብምቕናሱን ልዕሊ 32,000 ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ተዓጊቶም እዮም ዘለዉ፡፡

ብዙሓት ድማ ብሕጽረት ምግቢ፣ መዕቆቢ፣ መድሓኒትን ጸጥታን ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከቡ፡፡

ኣብ 2015 ዓመጽቲ ሑቲ ዝበዝሕ ከባቢታት ምስተቖጻጸሩን ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ስልጣን ፕረዚደንት ዓብዱራቡህ መንሱር ሃዲ ንምምላስ ወታሃደራዊ ወፍሪ ካብ ዝጅምሩን ናብዚ የመን ብኲናት ትህሰ እያ ዘላ፡፡

ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 110 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ፣ 12 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ ዝኾኑሉ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልላው ከምዘጋጠመን ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ንሕጽረት ምግቢ ከምዝቓልዑን ይግለጽ፡፡