ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ሓደጋ ባርዕ የመን ዝቖሰሉ መብዛሕቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ክበጽሖም ጠሊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM)፡ ነቶም ኣብ ዝቐረባ መዓልታት ኣብ የመን ብዘጋጠመ ባርዕ ዝቖሰሉ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ከብጽሕ ክፍቀደሉ ጠሊቡ።
ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት፡ ዘጋጠመ ባርዕ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብዙሓት ስደተኛተት ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 170 ከምዝቖሰሉን እቲ ትካል ገሊጹ ነይሩ።
ካብቶም ዝቖሰሉ ብዙሓት ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከምዘለዉን ኩነታቶም ክፈልጥ ከምዘይክኣለ ኣሚቱ።
"ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ጸጥታ እናኸረረ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ነቶም ዝቖሰሉ ክንበጽሖም ብድሆ ኮይኑና ኣሎ" ክትብል ኣብቲ ትካል ዳይረክተር ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ካርሜላ ጎዲዩ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ።
ቁጽሪ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብንጹር'ኳ እንዘይተፈልጠ፡ ብውሕዱ 170 ሕክምና ከምዝተገብረሎም እቲ ትካል ጠቒሱ።
ኣይ-ኦ-ኤም፡ ኣብቲ ባርዕ 8 ሰባት ከምዝሞቱ'ኳ እንተኣረጋገጸ፡ ኣስታት 30 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሰብመዚ ናይቲ ትካል ተዛሪቦም ነይሮም።
ሓደ፡ መዋጠና ዝተባህለ የመናዊ ተጣባቒ ጉጅለ ብወገኑ፡ ቁጽሪ ግዳያት ካብ 8 ንላዕሊ ምዃኖም ዝእምት ጸብጻብ ኣውጺኡ'ሎ።
ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ዛጊት'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ እቲ ኣንጻር ምንቅስቓስ ሑቲ ዝቖመ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ጥቓ እቲ መዕቆቢ ዝርከብ ህንጻታት ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዘዕነወ ተገሊጹ።
እቲ ብሓይልታት ልፍንቲ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዝገበርዎ ናይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን (ድሮን) ባሊስቲካዊ ሚሳይላትን መጥቃዕቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ የመን ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ማያት ጂቡቲ ከምዝጠሓሉ፡ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ ነይሩ።
ኣሰጋገርቲ፡ ንኣስታት 80 ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብታ ተሰቒሎማ ዝነበሩ ጃልባ ናብ ባሕሪ ደፊኦም ድሕሪ ምውራዶም 20 ከምዝጠሓሉ ሓደ ብዓልመዚ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)
ኣብታ ንነዊሕ እዋን ብኲናት ክትሕመስ ዝጸንሐት የመን፡ ኣብ 2015፡ ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ተባሂሎ ዝግለጹ ዕጡቓት ሑቲ፡ ንርእሰከተማ ሰንዓን ሰፋሕቲ ከባቢታት እታ ሃገርን ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ግጭት ከምዝገደደ ይፍለጥ።
እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብወገኑ፡ ነቶም ዕጡቓት ንምስዓርን፡ ነቲ ናብ ከተማ ዓደን ዝሰሓበ መንግስቲ ናብ ስልጣኑ ንምምላስን ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣዊጁ።
እቲ ኲናት ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እቲ ግጭት ሞት 233, 000 ሰባት ከምዘስዓበን፡ ልዕሊ 131, 000 ካብኦም ብስእነት መግብን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝሞቱ ምዃኖምን ጸብጻብ ናይቲ ውድብ ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, IOM
ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ዳይረክተር ናይቲ ዞባ ዝኾነት፡ ካርሜላ ጎዱ፡ ኣብቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ባርዕ ስደተኛታትን ሓለውትን ግዳያት ከምዝኾኑ ብትዊተር ሓቢራ።
ኣባላት ናይቲ ትካል፡ ንልዕሊ 170 ኣብቲ ባርዕ ዝቖሰሉ ግዳያት ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ከምዝሃቡን፡ ብውሕዱ 90 ካብኦም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
"ጠንቂ ናይቲ ኣብቲ መጽንሒ ማእከል ዘጋጠመ ሓደጋ ንጹር ኣይኮነን" ዝበለት እታ ዳይረክተር፡ "ይኹን እምበር፡ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ንስደተኛታት ከጋጥምዎም ዝጸንሑ ሓደጋታት ቅልውላዉ የመን'ዩ" ኢላ።
ሰብመዚ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ተሓተቲ 'ኣይ-ኦ-ኤም'ን ሕቡራት ሃገራትን'ዮም ብምባል፡ ኣብ ክንዲ ክጥረዙ ምስራሕ ዝግባእ መጽለሊ ክህብዎም ነይሩዎም ክብሉ ነቒፎም። ይኹን እምበር፡ ክልቲኡ ሓላፍነታት ናይቲ ትካል ኣይኮነን።
ዋላ'ኳ የመን ኣብ ኵናት ተሸሚማ እንተላ፡ ናብ ስዑዲ ክኣትዉ ዝፍትኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ በታ ሃገር ከምዝሓልፉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብምዕጻዉ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ የመን ሓዲግ ተሪፎም ይርከቡ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቶም ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ የመን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖምን፡ ቅድሚ ሕጂ ግዳያት ምጥሓልን ግጭት የመንን ይኾኑ ምንባሮም ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







