ኣምሓራ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ መርዓን ሓዘንን ብዝተተኮሰ ጠያይቲ 12 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘላለም ኣበበ፡ ብሞያ መምህር ዝኾነ ሓዉ ናብ ዝነብረላ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ እትርከብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ተጓዒዙ፡፡ ኣብታ ቀዳም ከምዝነበረት ዝዝክራ መዓልቲ ምስ ሓዉ ክጻወቱ ውዒሎም ሓደሩ፡፡
ብጽባሒትኡ፡ ሓዉ ወራድ መርዓ ዓጂቡ መርኣዊ ናብ እትበሃል ከተማ ሓቢሩዎም ክኸይድ ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ይሓትዎ፡፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ስለዘይነበረ ክኸይድ ኣይደለየን ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ብድፍኢት እቶም ኣዝማዱ ሓቢርዎም ክኸይድ ተሰማሚዑ፡፡
ሰንበት ንጉሆ ድማ፡ ምስቲ መርዓዊ ኮይኖም ናብ ስድራ እንዳ መርዓት ዝርከቡሉ ከተማ መርኣዊ ተበጊሶም፡፡
ኣብታ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ግና ዘይተጸበይዎ ዘሰምብድ ክስተት ተፈጢሩ፡፡
ዘላለም፡ ሓው ኣብቲ ስነ ስርዓት መርዓ ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቒዑ ምሟቱ ከምዝሰምዐን፡ ብህይወት ዘፋነዎ ሓዉ ድሕሪ ሰዓታት ሬስኡ ክቕበል ከምዝተገደደን ይዛረብ፡፡
እቲ ግዳይ ቦኽሪ እቲ ስድራ ከምዝበረ ዝገልጽ ዘላለም፡ ወላዲኡ ገና ወዲ 6 ዓመት እናሃለወ ስለዝሞቱ፡ ከም መጠን ዓብዪ ሓው ሓላፍነት ወሲዱ፣ ኣምሂሩ፣ ናብ ዝብጻሕ ዘብጸሖ ሓዉ ከምዝኾነ ብመሪር ሓዘን ተዛሪቡ፡፡
ሓዉ መምህርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ከምዝነበረ ዝዛረብ ዘላለም፡ ስድርኡ ምሕጋዝ ኣብ ዝጀመረሉ ብዘይተሓሰበ ሓደጋ ብምሟቱ፡ እቲ ስድራ ደጊሙ ናብ ጸገም ከምዝኣተወ ገሊጹ፡፡
ቀታሊ ሓዉ መን ከምዝኾነ ከምዘይፍለጥን፡ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ናይ ተኹሲ ድምጺ ይስማዕ ስለዝነበረ፡ ካብ መን ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቒዑ ከምዝሞተ ከምዘይተፈለጠን እውን ኣብሪሁ፡፡
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፡ መድመቒ ሓጎስ ተባሂሉ ወይ ኣብ ሓዘን ብዝትኮስ ጠያይቲ ዝሞቱ ሰባት ብዘሻቕል ኩነታት ይውስኽ እዩ ዘሎ፡፡
እዚ ጸገም ብሰፊሑ ካብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ድማ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ሓደ እዩ፡፡ እቲ ጸገም አብ ኩለን ወረዳታት እቲ ዞባ ከምዘጋጥም፡ በዓል ሞያ ርክብ ህዝብን ሚድያን ፖሊስ እቲ ዞባ ዋና ሳጅን ስሜነህ በላቸው ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፡፡
ንሱ፡ ኣጠቓቕማ ብረት ብዝምልከትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክብረ በዓላት ዝግበር ተኹሲ ኣድላዪ ዘይምዃኑን፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት መሓውር ጸጥታ እቲ ከባቢ ብምጥቃም ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡
ኮይኑ ግና አብቲ ከባቢ ቁጽሪ ኣብ መርዓን ሓዘንን ብዝትኮስ ጠያይቲ ዝሞቱ ሰባት ብዘሻቕል ኩነታት ይውስኽ ኣሎ ኢሉ፡፡
ካብ ወርሒ ሚያዝያ ቅንያት ፋሽጋ ክሳብ እዚ ጸብጻብ ዝተዳለወሉ ወርሒ ጉንበት፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ መርዓን ሓዘንን ብዝተተኮሱ ጠያይቲ 18 ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም እዩ፡፡
ካብዚኦም 12 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ፡ 6 ድማ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጉድኣት በጺሕዎም፡፡
ተመሳሳሊ ጉድኣት ንምክልኻል ‘‘ነቲ ማሕበረሰብ ኣተሓሕዛ መሳርሒ ኲናትን ዘይሕጋዊ ተኹስን ኣመልኪትና ተደጋጋሚ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ እኳ እንተሰራሕና ብዙሕ ለውጢ ኣየምጸአን’’ኢሉ ዋና ሳጅን ስሜነህ፡፡
ብተወሳኺ ኣካላት ጸጥታ ብዝተረኸበ ኣጋጣሚታት፡ ዘይሕጋዊ ተኹሲ ደው ንምባል ጻዕሪ ይገብሩ‘ኳ እንተሃለዉ፡ እቶም ነበርቲ ግን መርዓን ሓዘንን ብጥይት ምድማቕ ከም ባህሊ ስለዝወስድዎ ካብ ተግባሮም ክእረሙ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ፡፡
ካብቶም ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዘ ዝተቐተሉ ሰባት እቲ ሓደ ኣባል ሚልሻ ከምዝነበረ ዝገልጽ ዋና ሳጅን ስሜነህ፡ እቲ ኣባል ሚልሻ ኣብ ሓደ መርዓ ይትኩሱ ንዝነበሩ ሰባት ምትኳስ ደው ከብሉ ኣብዝፈተነሉ እዋን ‘‘ኣይትትኩሱን፤ ክንትኩስ ኢና፤ ብዝብል ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ እቲ ሚልሻ ተቐቲሉ’’ ኢሉ፡፡
ብፍላይ ኣብ መርዓ፡ መብዛሕቲኡ ተኹሲ ኣብ ናይ ስኻር መንፈስ ኮይንካ ዝፍጸም ብምዃኑ ብሸለልትነትን ብረት ምቁጽጻር ብዘይ ምኽኣልን ዝፍጸሙ ከምዝኾኑ እቲ ዋና ሳጅን ኣብሪሁ፡፡
መብዛሕተኦም ግዳያት እቲ ጸገም ዝኾኑ ናይቶም መርዑ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ድማ፡ ሓልሓሊፋ እውን እቲ ሓደጋ ኣብቶም መርዑት ዝበጽሐሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡
ካብቲ ዝጠፍእ ናይ ሰብ ህይወት ብተወሳኺ፡ ቤተሰብ ኣብ ሜዳ ዝብተኑሉ፣ ተምሃሮ ትምህርቲ ዘቋርጹሉ፣ ህጻናትን ኣረጋውያንን ሓጋዚ ዝስእኑሉ ኩነታት ዝፈጥር ማሕበራዊ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ እውን ገሊጹ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ‘ደም ምምላስ’ ዝበሃል ባህሊ ስለዘሎ፡ ቤተሰብ መዋቲ ሕነ ንምፍዳይ ንስድራ ቀታሊ ስለዝሃድኑዎም፡ ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘስዕብ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምትራፍ ምስራሕ ከምዘድሊ ዋና ሳጅን ስሜነህ ኣተሓሳሲቡ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







