ሩስያ፡ ልዕሊ 20000 ዓመታት ዝገበረ ዘይፍረሰ ኣስክሬን ሓሪሽ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣስክሬን ናይቲ ሓሪሽ፡ ኣብ ከባቢ ኣብይሲክ ዞባ ያኩትያ ሰሜናዊ ምብረቕ ሩስያ ሸፊንዎ ዝነበረ በረድ ምስ መኸኸ'ዩ ተረኺቡ።
እቲ ሓሪሽ ምሉእ ክፋል ኣካላቱ ከይፈረሰ ብምርካቡ ሓደ ፍሉይ ነገር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቶም ተመራመርቲ ነቲ ኣስክሬን ናይቲ ሓሪሽ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ተወሳኺ መርመራ ንክገብረሉ ናብ ቤተ ፈተነ ክወስድዎ እዮም።
ተመራመርቲ ነቲ ኣስክሬን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክወስድዎ ዝተገደድሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣስክሬን ዝተረኸበሉ ቦታ ንመካይን ዘእቱ መንገዲ ስለዘይብሉ፡ ኣብዚ ዝምጽእ ሓደ ወርሒ ናብቲ እቲ ኣስክሬን ዝተረኸበሉ ቦታ ነቲ በረድ ጸሪጎም ጽርግያ ክሰርሑ ብምውጣኖም'ዩ።
እቲ ሓሪሽ፡ ኣብ ዘመነ ፕላይስተሲን (ጂኦሎጅያዊ ወቕቲ) ቅድሚ 20,000 ክሳብ 50,000 ዓመታት ዝነበረ እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቫለሪ ፕሎቲንኮቭ ሓደ ካብቶም ነቲ ኣስክሬን ኣፈናዊ መርመራ ዝገብርሉ ዘለዉ ኮይኑ፡ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓሪሽ ክመውት እንከሎ ወዲ ሰለስተ ክሳብ ዓርባዕተ ዓመት ከምዝነበረን ኣብ ማይ ጥሒሉ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
ኣካል ናይ ሩስያ ዝኾነ ምብራቓዊ ክፋል ሳይበርያ ኣብ ዘበነ በረድ ከምዝነበረ ዝተገመተ ጸምሪ ዘለዎ ኣስክሬን ናይ ሓሪሽ ከምዝተረኸበ'ውን ተመራመርቲ ገሊጾም።
እቲ ሓሪሽ ክፋል ውሽጣዊ መዓናጥኡን ፍረ ነብሱን ከይፈረሰ ከምዝጸንሐ'ውን ቫለሪ ፕሎቲንኮቭ ኣመልኪቱ።
ቫለሪ ፕሎቲንኮቭ ብምስዓብ "ዋላ እቲ ቀልጢፉ ዝምሽመሽ ኣብ ኣፍንጭኡ ዝርከብ ቀርኑ እንከይተረፈ ከይመሽመሸ እዩ ጸኒሑ፡ እዚ ኸኣ ሳሕቲ ዘጋጥም ርኽበት'ዩ" ኢሉ።
እቲ ኣስክሬን ናይቲ ሓሪሽ መጀመርታ ኣብ ወርሒ ነሓሰ'ዩ በቶም ኣብ ገማግም ፈለግ ቲረክቴኣከህ ዝነበሩ ህዝቢ ተረኺቡ።
ኣብቲ ከባቢ ኣብ 2014'ውን 34,000 ዓመታት ዝገበረ ኣስክሬን ናይ ሓደ ጸምሪ ዘለዎ ውላድ ሓሪሽ ተረኺቡ ነይሩ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







