ንኣስከሬን ከም መገደኛ ኣምሲሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, Arizona Department of Public Safety
ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ዘዋሪ መኪና፡ ን 'ኣስከሬን' መገደኛ ኣምሲሉ ኣብ መኪንኡ ሒዙ እናተጉዓዘ እንከሎ ተታሒዙ።
እቲ ቆቢዕ ወድዩን ናብ መንበር ብገመድ ተኣሲሩን ሰብ መሲሉ ኣብ ጎድኒ እቲ ዘዋሪ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣስከሬን ግን ናይ'ማን ኣስከሬን ኣይነበረን፤ ሰብ-ሰርሖ እዩ።
እቲ ወዲ 62-ዓመት ዘዋሪ መኪና፡ ምስኡ ዝጓዓዝ ሰብ ዘሎ ከምስል እዩ ንዕኡ ተጠቒሙሉ።
እንታይ ክርባሕ እንተይልኩም ከኣ፤ ኣብታ ዓዲ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ዝጸዓና መካይን ጥራይ ዝኸዳሉ መስመር ጽርግያ ኣሎ።
መታን በቲ መስመር ንሱ ክጓዓዝ እዩ፡ ነቲ 'ኣስከሬን' ከም ካልኣይ መገደኛ ኣምሲሉ ተጠቒሙሉ።
እቲ ዘዋሪ መኪና በዚ ተግባሩ ናይ መቕጻዕቲ ትኬት ተቖሪጹሉ'ሎ። ሰብመዚ፡ ካልኦት ሰባት ነዚ ተግባር ከይደግምዎ ምዒዶም።
ከምዚ ዓይነት ተግባር ግን ንምጀመርያ እዋን ዝተፈጸመ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሸየጥቲ ክዳን ንዝጥቀምሉ ባምቡላ፡ ቆቢዕን መነጸርን ብምግባር እናተጉዓዘ ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ብተመሳሳሊ ተታሒዙ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







