ንኣስከሬን ከም መገደኛ ኣምሲሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ተቐጺዑ

ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, Arizona Department of Public Safety

ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ዘዋሪ መኪና፡ ን 'ኣስከሬን' መገደኛ ኣምሲሉ ኣብ መኪንኡ ሒዙ እናተጉዓዘ እንከሎ ተታሒዙ።

እቲ ቆቢዕ ወድዩን ናብ መንበር ብገመድ ተኣሲሩን ሰብ መሲሉ ኣብ ጎድኒ እቲ ዘዋሪ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣስከሬን ግን ናይ'ማን ኣስከሬን ኣይነበረን፤ ሰብ-ሰርሖ እዩ።

እቲ ወዲ 62-ዓመት ዘዋሪ መኪና፡ ምስኡ ዝጓዓዝ ሰብ ዘሎ ከምስል እዩ ንዕኡ ተጠቒሙሉ።

እንታይ ክርባሕ እንተይልኩም ከኣ፤ ኣብታ ዓዲ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ዝጸዓና መካይን ጥራይ ዝኸዳሉ መስመር ጽርግያ ኣሎ።

መታን በቲ መስመር ንሱ ክጓዓዝ እዩ፡ ነቲ 'ኣስከሬን' ከም ካልኣይ መገደኛ ኣምሲሉ ተጠቒሙሉ።

እቲ ዘዋሪ መኪና በዚ ተግባሩ ናይ መቕጻዕቲ ትኬት ተቖሪጹሉ'ሎ። ሰብመዚ፡ ካልኦት ሰባት ነዚ ተግባር ከይደግምዎ ምዒዶም።

ከምዚ ዓይነት ተግባር ግን ንምጀመርያ እዋን ዝተፈጸመ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሸየጥቲ ክዳን ንዝጥቀምሉ ባምቡላ፡ ቆቢዕን መነጸርን ብምግባር እናተጉዓዘ ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ብተመሳሳሊ ተታሒዙ እዩ።