ናይ መወዳእታ ተሪፉ ዝነበረ ተባዕታይ ጻዕዳ ሓሪሽ ኣብ ኬንያ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዓለም ናይ መወዳእታ ተሪፉ ዝነበረ ተባዕታይ ጻዕዳ ሓርሽ ሰሜን ንኣዋርሕ ክሓምም ድሕሪ ምጽንሑ ከምዝዓረፈ፡ እቶም ክከናኸንዎ ዝጸነሑ ሓቢሮም።
እቲ 45 ዓመት ዘገበረን፡ ሱዳን ዝብል ስም ዝነበሮን ጻዕዳ ሓርሽ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኦል ፐጀታ ዝበሃል መዕቆቢ እዩ ዝነብር ኔይሩ። ኩነታት ጥዕንኡ ብሰንኪ ምስ ዕድሚኡ ዝተኣሳስር ጸገማት ስለዝበኣሰ፡ ብሕክምና ትንፋሱ ንኽትሓልፍ ተወሲኑ።
ካብኡ ትውለድ ኣንስተይቲን ጓላን ጥራሕ እየን ኣብ ዓለም ተሪፈን ዘለዋ። ሕጂ፡ ንዘርኢ ጻዕዳ ሓርሽ ናይ ምዕቃብ ተስፋ፡ ኣገባብ ሕክምና ኣይ.ቪ.ኤፍ ኣብ ምምዕባል ዝተሞርኮሰ ክኸውን'ዩ።
"ሞት ናይዚ ጻዕዻ ሓርሽ፡ ንሸለልትነት ወዲሰብ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘንጸባርቕ ሕሱም መርኣያ'ዩ፡ ኩሎም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ድማ ብሞቱ ጒህዮም እዮም" ክብል ሓደ ካብ ሓለፍቲ መካነ እንስሳ ድቩር ክራሎቭ ኣብ ቼክ ሪፓብሊክ ዝኾነ ያን ሰተይስካል ተዛሪቡ። ሱዳን ኣብቲ ኣብ ቼክ ሪፓብሊክ ዝርከብ መካነ እንስሳ ክሳብ 2009 ከምዝነበረ ይፍለጥ።
"ተስፋ ግን ክንቆርጽ የብልናን። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ቴክኖሎጂካዊ ምምዕባል ዋህዮታት ተጠቂምና፡ ዘርኢ ናይ'ቶም ናይ ምጽናት ሓደጋ ዘንጸላልዎም እንስሳታት ንምዕቃብ ክንጽዕር ኣለና። ሳላ'ዚ ምዕቡል ኣገባባታት፡ ዋላ ሱዳን'ውን እንተኾነ ሓድጊ ክገድፍ ይኽእል'ዩ" ኢሉ ያን ብምቕጻል።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







