ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካ ልዕሊ 5 ዓመቶም ህጻናት ፒፋይዘር ክኽተቡ ወሲና

ህጻን እናተኸተበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ 28 ሚልዮን ልዕሊ 5 ዓመቶም ህጻናት ጸረ ኮሮናቫየረስ ክኽተቡ ስለዝተኣመመ፡ ሓካይም ህጻናት እታ ሃገር ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ክጽመዱ ምዃኖም ተገሊጹ።

ምምሕዳር፡ ምቁጽጻር መድሃኒትን መግብን ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ካብ 5 ክሳብ 11 ዕድሚኦም ህጻናት ፒፋይዘር ጸረ ኮቪድ 19 ክኽተቡ ብምሉእ ድምጺ ኣሕሊፉ።

ክፍሊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ፡ ነቲ ብምምሕዳር ምቁጽጻር መድሃኒትን መግብን ኣመሪካ ዝቀረበ እምማ ክነጽጎ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተዘይሃለወ፡ ክልተ ሕዳር ውሳነ ክህበሉ'ዩ።

ኣቐዲምካ ኣብ ዝተገበረ ክሊኒካዊ ፈተነ፡ እቲ ክታበት ኣብ ህጻናት 90 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ እዮም እቶም ወሰንቲ ኣካላት ገሊጾም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኒው ጀርሲ ኣብ ክፍሊ ኣትዩ ምስ ተማሃሮ እናተዘራረበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኒው ጀርሲ ኣብ ክፍሊ ኣትዩ ምስ ተማሃሮ እናተዘራረበ

በዚ መሰረት 15 ሚልዮን ብልቃጥ ፒፋይዘር፡ ካብ 3 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናብ ዝርከባ ናይ ህጻናት ሆስፒታላት ክከፋፈል እዩ።

ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ኣመሪካ ክውሃብ ዝጽነሐ ዓይነት ጸረ ኮቪድ 19 እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ካብ 5 ክሳብ 18 ዕድሚኦም 1.8 ሚልዮን ብኮቪድ ዝተለኸፉ ህጻናት ከምዝነበሩን ካብዚኦም እቶም ኣስታት 200 ከምዝሞቱን ጸብጻት ክፍሊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ይሕብር።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ ካብ 5 ክሳብ 11 ዓመቶም ክኽተቡ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ምስ ጸደቐ፡ ብቅልጡፍ ናብ ኩሉ ክፋላት እታ ሃገር ሓካይም ናይ ህጻናት ከምዘዋፍር ቃል ኣትዩ ኣሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ክታበት በተን ልዕሊ 25 ሽሕ ዝኾና ናይ ህጻናት ክሊኒካትን 100 ሆስፒታላትን ከምኡ'ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመደበረን ማእከላት ጥዕና ኣቢሉ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቲ ዕማም ከምዝዛዝሞ ተዛሪቡ ነይሩ።