ኩዕሶ እግሪ፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሜዳኣ ብብሩንዲ ብገፊሕ ተሳዒራ

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ እዋን ልምምድ 16 ነሓሰ 2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Embassy of the State of Eritrea in Addis Ababa

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ እዋን ልምምድ 16 ነሓሰ 2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ቀዳማይ እግሪ ምጽራይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022 ትማሊ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 5 ብ 0 ተሳዒራ።

እዚ ግጥም ካብ 2 ክሳብ 23 ሓምለ 2022 ኣብ ሞሮኮ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንምሕላፍ ዝካይድ ዘሎ እዩ።

ብኣሰልጣኒ ጀማል ኢብራሂም እትስልጥን ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካልኣይ እግሪ ግጥማ 26 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ቡሩንዲ ከተካይድ እያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓሙሽተ ጎል ዕዳ ሒዛ ኣብ ዘይሜዳኣ ትገብሮ ግጥም ኣዝዩ ክኽብዳ ከምዝኽእል ዝግመት ኮይኑ፡ ካብ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ብድምር ናይ ክልቲኡ ጸወታታት ዝሰዓረት ምስ ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ጂቡትን ርዋንዳን ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ክትገጥም'ያ።

ኣብቲ ኣብ 2022 ኣብ ሞሮኮ ክእንገድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብምጽራይ ዝሓለፋ 11 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ኣብቲ ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ውድድር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ኮይነን ውድድረን ዝዛዘማ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብቲ ሃገራት ኣወስትራልያን ኒውዝላንድን ብጽምዶ ዘአንግድኦ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023 ብቐጥታ ክሓልፋ'የን።

ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ካፍ ኣብ 1991 እዩ ጀሚሩ፡ ክሳብ 1998 ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ክካይደ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 1998 ጀሚሩ በብክልተ ዓመት ክካይደ ጸኒሑ።

እንትርፎ ኣብ 2020 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምብኳሩ ኸኣ ብስሩዕ 13 ግዜ ተኻይድ።

ካብዚ 13 ግዜ ዝተኻየደ ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ዓሰርተ ሓደ ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢኳተርያል ጊኒ ኸኣ ኣብ 2008 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2012 ነቲ ውድድር ተዓዊታትሉ።

ናይ ካልኦት ሃገራት ወጽኢት ቀዳማይ እግሪ

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ከይዳ ኣብ ዘካይደቶ ጸወታ፡ ቅድምን ድሕርን ዕረፍቲ ብዝተመዝገባኣ ክልተ ሸቶታት 2 ብ 0 ተሳዒራ።

ኬንያ 8 ደቡብ ሱዳን 0

ማእከላይ ኣፍሪቃ 0 ካሜሮን 1

ሞዛምቢክ 0 ደቡብ ኣፍሪቃ 7

ታንዛንያ 1 ናሚብያ 2

ግብጺ 2 ቱኒዝያ 6 ገለ ካብቲ ትማሊ ዝነበረ ጸወታታትን ውጽኢቱን'ዩ።