ሓበን ግርማ፡ ንዓለም ኣካለ ስንኩላን ትልውጥ ዘላ ተቓላሲት

ምንጪ ስእሊ, HG
ሓበን ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ‘ሻምዮን ለውጢ’ ተባሂላ ዝሰምየት ኣብነታዊት ሰብ እያ። እዛ ስንኩላን ድጉል-ዓቕሞም ንክሰምረሎም ተጊሃ እትጣበቕን እትሰርሕን ተቓላሲት፡ ስርሓታ ብብርክት ዝበሉ መራሕቲ መንግስታትን ትካላትን ኣፍልጦ ዝረኸበ ጐብለል’ያ።
ኣብ 2015 ሓበን ብፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ዋይት-ሃውስ ንኽትበጽሕ ተዓዲማ ነይራ። እቲ ኣጋጣሚ መበል 25 ዝኽረ-ዓመት ኣዋጅ ስንኩላን ኣሜሪካውያን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ቴክኖሎጂ ኣብ ሞንጎ ስንኩላን ከመይ ኢሉ ክምዕብልን ክዝውተርን ዜኽእሉ ኣገባባት ሓሳባ ንከተቕርብ ነበረ። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ትጽቢት ኣማሊኣ ድማ ተዓዊታ ወጸት።
ነዛ ተሓላቒት መሰላት-ስንኵላን “ስንክልና ዕንቅፋት ኣይኰነን፡ ሕብረተሰብ’ምበር” እናበለት ክትምጕትን እትጕስጕስን ዝሰምዓ ሰብ ድንቂ’ዩ ዝዀኖ። እቶም እተቕርቦም ኣብነታት ንጹራት’ዮም። ባዕላ ዝተመኰረቶም መሰጥቲ ጕዕዞታት ህይወታ ኣበዮ ማዕከናት-ዜናን ማሕበራዊ መድያን ተዘርጊሖም ንረኽቦም፣ ንኣረኣእያን መርገጽን ሕልናን ሰብ ዝትንክፉ ስለ ዝዀኑ፡ እቶም እተቕርቦም ኣስተምህሮታት ልዑል ተቐባልነት ረኺቦም’ዮም።
ሓበን፡ በቲ ካብ ብሕጻና ዘጓነፋ ስንክልና ከይተሳዕረት ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ: ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ዓለም ዓቢ ዝና ዘሎዎም ዩኒቨርሲታት፡ ክትምሃር ብምብቅዓ ኣድናቖት ዝረኸበት ሰብ’ያ። እኳድኣ ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ምስማዕን ምርኣይን ጸገም ዘሎዋ ክነሳ ብሕጊ ብምምራቓ ንብዙሓት ኣዛሪባ’ያ።
ኰይኑ ድማ፡ ኣብ ነሓሰ 2019 “ሓበን፡ [ንክፍሊ] ሕጊ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ዝጣሕሰሰት ስንክልቲ” (Haben: The Deafblind Woman Who Conquered Harvard Law) ዘርእስቱ ዛንታ ህይወታ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣቕረበት፣ እቲ መጽሓፍ ድማ ብብዙሓት ሃየስቲ ኣዎንታዊ ርእይቶ ረኸበ።
ንምዃኑ ሓበን ብኸመይ ኣገባብ’ያ ምስ ሰብ ትረዳዳእ?
ዓይነ ስዉራን ብብረይል (ፈደል ዓይነ ስዉራን) እዮም ዘንብቡን ዝጽሕፉን። በጻብዕቶም ዳህሲሶም የንብቡ፣ ንፊደላት፡ ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ፡ኸኣ ብመርፍእ እናወቀጡ ይጽሕፉ። እዝኖም ዜጻንዖም ሰባት (ወይከኣ ጽሙማን) ድማ ብቋንቋ-ኢድ ‘ዮም ምስ ሰባት ዝረዳድኡ።

ምንጪ ስእሊ, HG
ሓበን፡ ክትርኢን ክትሰምዕን ስለዘይትኽእል፡ ፍልይ ዝበለ ድርብ ስንክልና’ዩ ዘለዋ። ሓሳባ ግን ብምዝራብ ክትገልጽ ኣየጸግማን’ዩ። ንዜዛርባ ሰብ ክትሰምዕ ዘይትኽእል፡ ብኢዱ ኣመልኪቱ ዜዛርባ’ውን ክትርኢ ዘይኽእል፡ ከመይ ጌራ ድኣ ትረዳዳእ?
ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ሓበን ምስ ሰባት ንክትረዳዳኣ ሳልሳይ ኣካል ክህሉ ኣሎዎ። እቲ ስሉስ-ኣፋዊ ርክብ ብሓዲስ ቴክኖሎጂ ዝተሰነየ’ዩ። እዚ ማለት፡ ሓበን ፍልይ ዝበለት ኣብ ብርኪ-ሰብ ኮፍ ትብል ናታ ኮምዩተር ኣላታ። እቲ ሳልሳይ ኣካል ድማ ተመሳሳሊት ኮምፕዩተር ኣላቶ ማለት’ዩ።
ንኣብነት ሓደ ጋዜጠኛ ንሓበን ‘መን’ዩ ስምኪ? ኢሉ ምስ ዝውከሳ እቲ ኣብ ጐና ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ኣብታ ናቱ ኮምፕዩተር ‘መን’ዩ ስምኪ?’ ኢሉ ጠዋዊቑ ይጽሕፍ። እቲ ጽሑፍ ብኮምፕዩተሩ ናብ ናይ ሓበን ኮምፕዩተር ይልእኮ። ናይ ሓበን ኮምፕዩተር ድማ ነቲ ጽሑፍ ተቐቢላ ናብ ብረይል ለዊጣ ተቕርበላ። ሽዑ ሓበን ነቲ ብብረይል ዝተወቀጠ ጽሑፍ ኣንቢባ ብኣፋ ‘ስመይ ሓበን ግርማ’ዩ’ ኢላ ትምልስ ማለት’ዩ።
በኸምዚ ኣገባብ ኣብ ተለቪዥን ቃለ-መጠይቕ ከተካይድ ንዝርኢ ሰብ ብቅልጣፌኣ ካን ይገርሞ’ዩ። ንምዃኑ፡ ሓበን ንኽትንቀሳቐስ ብህይወታ እትኣምኖ ናታ መራሒ ከልቢ ኣሎዋ።
ንሓበን ብዛዕብኣን ኵነታታን ስርሓታን ንኸተዕልለና ኣዘራሪብናያ ነይርና።
‘ኣብ ሞንጎ ዘይስንኩላን ምንባር ከመይ ትረኽብዮ?’
“ስንክልና ዘይብሎም ሰባት ዝተፈላለዩ’ዮም። ገሊኦም ሕያዎት ኰይኖም ነቶም ስንኩላን ዘጓንፍዎም ጸገማት ንክፈትሑ ህርድግ ዝብሉ ኣሎዉ፣ እንተ ገሊኦም ከኣ ብዙሕ ግዲ ኣይገብሩን። ይዅኑ'ምበር ኣነ ንዓለምና ብስንኩላንን ዘይስንኩላንን ጌረ ኣይኰንኩን ዝርእያ።
“ዓለምና ኣብ ክልተ ከፊለ ክርእያ ከሎኹ፡ እቲ ሓደ ኵላህና ኣብ ሓድሕድና ዝተሓናገርናን ዝተኣሳሰርናን ዓለም ከም እንነብር ዝርድኣና፡ እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ ጌና ነቲ ምትሕንጋርን ምትእስሳርን ጌና ክርድኦም ጸገማት ዘሎዎም'ዮም" ትብል።
ቢቢሲ፡ “ዓለምኪ ንክንርዳ እስከ ሓድሓደ መረዳእታት ሃብና፣ ንኣብነት ምስ ኵነታትኪ ዝተኣሰሰር እታ ዝጕሃኽላን ዝሰንበድክላን እዋን ኰነ ኣዚኺ ዝተሓጐስክላን ህሞት ኣካፍልና" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡላ ነይሩ።
"ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ መጽሓፈይ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ጓል ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዝነበረክሉ እዋን፡ ምስ ኣቦይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንጕዓዝ ይዝከረኒ። ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጻሕና፡ እቶም ናይ ኢሚግረሽን ሓለፍቲ ንዓይ ካብ ኣቦይ ምስ ፈለዩኒ ኣዝየ ሰንበድኩ። ምኽንያቱ ኣቦይ ንዓይ ኵሉ'ዩ ... ንኽሰምዕ ንዝተሓተትክዎ ክምልስ፡ ንክርኢ ኣብ ጸግዐይ ክህሉ ኣሎዎ። እንተ እቶም ሓለፍቲ ነቲ ናተይ መሰል ናይ ምርኣይን ምስማዕን ምርድዳእን ስለ ዜሕደጉኒ ኣዝየ ፈራህኩን ሰንበድኩን ... ኵሉ ጽልምት ስለ ዝበለኒ" ብምባር ንዝሓለፈቶ ፈታኒ ህሞታት ተዘንቱ።

ምንጪ ስእሊ, HG
ብዘይካ’ዚ፡ "ንኣብነት ብዶብ ኣሜሪካን መክሲኮን ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ክሰግሩ ዝፍትኑ ደቡብ-ኣሜሪካውያን ኣለዉ። እቶም ነቲ ዶብ ዝቈጻጸሩ ሰበ-ስልጣናት፡ ነቶም ቆልዑት ካብ ስድርኦም ፈልዮም ክወስድዎም ብዉሽጠይ ኣዝዩ የጨንቐኒ። እንታይ ዝገበሩ ቈልዑ'ዮም?" እናበለት ተስተንትን። "ከምኦም ዘኣመሰሉ ተርእዮታት ብዙሓት’ዮም፣ ኣብ ፈቐድኡ ኸኣ ንርእዮም። ስድራ ቤታት ብሰብኣዊ ቅልውላዋት ክፋላለዩን ክበታተኑን ኣይግባእን። ከምኡን ወዲ-ኸምኡን ዜኣመሰሉ ቅልውላዋት'ዮም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ንክኸውን ዝደፋፍኡኒ" ትብል ሓበን።
"ሓደ ካብ'ቶም ብፍስሃ ዝዝከሩኒ ኣጋጣሚታት ንክሕብረካ፡ እቲ መበል 25’ዊ ዝኽረ-ዓመት ኣዋጅ ስንኩላን ኣሜሪካውያን ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ዝተራኸብኩሉ እዋን ከይኰነ ኣይተርፍን'ዩ" ብምባል ሕጉስ ተዘክሮኣ ተካፍል።
ሓበን ከምእትብሎ፡ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ተወሃሂዳ ንስለ “ፍትሒ ንስንኩላን” ኣበርቲዓ ጐስጒሳን ተቓሊሳን’ያ። ከም ኣብነት፡ ኣባል ሓደ ‘ብርሃን ንዓለም’ (Light for the World) ዝስሙ ማሕበር ምዃና ትገልጽ። እቲ ማሕበር ዓመታዊ ንማሕበረ-ሰበን ኣበርክቶ ዝገበራ ስንኩላን ደቂ ኣንስትዮ መሪጹ ብልጫ ዝህብ ማሕበር’ዩ። ሓበን ከኣ ሓንቲ ካብ’ቶም መረጽቲ ፈራዶ ምዃና ትዛረብ።
ስለዚ መሰል ስንኩላን ይስስን ኣሎዶ የሎን ክንብል ምስ ተወከስናያ፣ “እወ፡ ብዙሕ ምዕባለ ተራእይ’ዩ፡ ግናኸ ኣዝዩ ግዙፍ ስራሕ ጌና ይጽበየና ኣሎ” ብምባል ትምልስ።
ነቶም ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ብሽሾ ኣብ ፈቐድኡ ዝስደዱ ዘሎዉ መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ባዕላቶም ብዘይፈጠርዎ ሽግር ተገዲዶም ፋሕ ኢሎም ዘሎዉ፡ እንታይ ዓይነት ምኽሪ ምለገስክሎም ኢልና’ውን ተወኪስናያ ነይርና።
“እቶም ኣብ ስልጣን ዘሎዉ መራሕቲ ነዞም ዝስደዱ ዘሎዉ ሰባት ኣብ መቓቕሮ የእትዉዎም፡ ሽግር ይፈጥርሎም። ነቲ ሽጉር ህዝቢ ኣጆኻ፡ ተጊህካ ስራሕ እናበሉ ነቶም ዕንቅፋታት ከም ዝእለዩ ኣብ ክንዲ ምግባር ባዕላቶም ዕንቅፋት’ዮም። ስለዚ ክግሰጹ ዘሎዎም እቶም መራሕቲ’ዮም።
“እቲ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ድምጹ ክስማዕ ኣድላዪ’ዩ። ነቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዛንታታት እከታተሎም’የ። ብዝከኣለኒ መጠን ናተይ መድርኽ ተጠቒመ ንስለፍትሒ ንዉጹዓት ክብል ናይ’ቶም ሽጉራት ድምጺ ኣጕሊሐ ከቃልሖ’የ።
ብዛዕባ’ቲ ዘሕተመቶ መጽሓፋ ብዝምልከት፡ ናብ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ ወይከኣ ኦሮምኛ ንክትርጐም ሓሳብ ኣለዋ እንተኾይኑ’ውን ሓቲትናያ ነይርና። “ሕልመይ መጽሓፋይ ተተርጕሙ ናብ ህዝብና ንኽቐርብ’ዩ። ናይ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ ወይከኣ ኦሮምኛ ቤት-ማሕተማት ንመጽሓፈይ መሪጾም ንከሕትምዋ ተበግሶ እንተ ዝወስዱ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ኣብ መጽሓፈይ ሰፊሩ ዝርከብ መልእኽቲ ናብ ብዙሓት ሰባት ክሓልፍ ምኸኣለ” ትብል።
“ብዛዕባ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ምስ እትሓስቢ ኣብ ኣእምሮኺ እንታይ ይመጸኪ?” ክንብል ምስሓተትና’ያ ድማ፡ “እንጀራ! በርበረ! በለስ! ኣብ ዓለም ምሉእ ካብ ናትና ዝጥዕም መግቢ የለን። እቲ ዝበለጸ ቡን ከኣ ኣሎና!” ኢላ ብታሕጓስ መሊሳትልና።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ስንኩላን ተምሃሮ ተራኺባ ምንባራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ዓይነ-ስዉራን ባህታ ሓጎስ (ኣስመራ) በጺሓ ምንባራ’ውን ሓበን ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, HG
ምሩጻት ጥቕስታት ካብ ኣስተምህሮ ሓበን ግርማ
“ሓደስቲ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባሌታት ምስ ዝመሃዙ ሓደራ ንስንኩላን ኣብ ግምት ብምእታው ምሃዙ”።
“ከም ስንክልቲ መጠን ናይ መጻኢ ናይ ስራሕ ዕድለይ ካብ ካልኦት ለጠቕ ዝበለ ዘይኰነስ ማዕሪኦም ዕድል ክወሃበኒ’የ ዝደሊ”።
“መጻኢኻ ንኽትጸሉ ዓቕሚ ኣሎካ’ሞ ብቐጻሊ ተምሃር፣ ምስ ዓለም ዝሓሸ ርክብ ንኽትፈጥር ሓደስቲ ኣገባባት ኣማዕብል፣ ምስ ዓለምካ ክትካፈሎ እትኽእል ትዕድልቲ ከም ዘሎካ ኸኣ እመን”።
“ስንክልና ብጻዕሪ እነሰንፎ ነገር ኣይኰነን፡ እንታይ ድኣ ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ሰባት ዘሎ ፍሉይነት ምዃኑ ንቀበሎ።”









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







