ኢትዮጵያዊ ዓይነ-ስውር ተመራቒ ተምሃራይ፡ ንምንታይ እዩ ንርእሱ ኣቃጺሉ?

ምንጪ ስእሊ, Family
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ታሕሳስ 25፡ ሓደ ዓይነ-ስዉር ተምሃራይ ሕጊ፡ ንገዛእ ርእሱ ቃጺሉ ከምዝሞተ ተሰሚዑ።
ንመዋቲ ኣብርሃም ዱሬሳ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ጣሰው ሃብታሙ፡ ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ዓርኩ ንቢቢሲ ኣካፊሉ ነይሩ።
ኣብራሃም ዱሬሳ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ናይ ሕጊ ዲግሪ ድሕሪ ምውድኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ መልቀቒ ፈተና ይወስድ ከምዝነበረ ይዛረብ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ፈተና፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብምስግጋሩ፡ ክዳሎ ምጽንሑ'ውን ይገልጽ።
እቲ ምስ ኣብርሃም፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ገዛ ተኻርዩ ን5 ዓመት ዝነብር ዝነበረ ጣሰው ከምዝብሎ፡ ነቲ ፈተና ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ዝነበረ ሰሉስ ክወስዶ ጀሚሩ።
ክሳብ ሓሙስ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝወሰዶ ፈተናታት ሕጉስ ከምዝነበረ'ዩ ዓርኩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ፈተና፡ ዓርቢ 25 ታሕሳስ ግን፡ ደንጒዩ ስለዝነበረ፡ ናይ ፈተና ኮዱ ረሲዑ ናብቲ "ስድስት ኪሎ" ተባሂሉ ዝፍለጥ 'ካምፓስ' ኣምሪሑ። ኣብቲ ቦታ ፈተና ክበጽሕ እንከሎ ድማ ገለ ደቓይቕ ኣሕሊፉ ነይሩ።
"እቲ ፈተና ኣይተወድአን፡ ተምሃሮ ኣይወጽኡን ነይሮም፡ እንተወሓደ 20 ደቓይቕ ተሪፉ ነይሩ" ይብል ጣሰው።
ንመራሕቲ ናይቲ ፈተና ንምእማንን ልቦም ንምልስላስን ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን፡ ይኹን እምበር ዝሰምዖ ኣይረኸበን።
"ምእታው ከምዘይፍቀድ ምስ ተነግሮ፡ ዘደንጎዮ ምኽንያት ብምግላጽ፡ ዓይነ-ስዉር ብምዃኑ ኣረኣእያ ብምግባር ክተሓባበርዎ'ኳ እንተለመነን፡ እንተበኸየ፡ ነቲ ፈተና ክወስዶ ኣይተፈቕደሉን"
ብሰንኪ'ዚ፡ ክበኪን ክበሳጮን ከምዝወዓለ፡ ጣሰው ይዝክር።
ኣዕሩኽቱ ከጸናንዕዎ'ኳ እንተፈተኑ፡ "በቃ ናይ ዕድለይ መወዳእታ'ዩ፡ ዓይነ-ስውር እንተ ዘይተማሂሩ ውጽኢታዊ ኣይከወንን'ዩ" እንዳበለ ይበኪ ምንባሩ'ዩ ዓርኩ ይዛረብ።
ምሸት ናብ ገዝኡ ክኣቱ እንከሎ፡ ፈተውቱ ከዕርፍ ዝኣተወ'ዩ መሲልዎም። ይኽን እምበር፡ ንሱ ገዝኡ ዓጽዩ፡ ኣብ ነብሱ ላምባ ነስኒሱ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝቃጸል ነገራት ብምቕራብ ንገዛእ ርእሱ ሓዊ ወሊዑላ ይብል ጣሰው።
ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ጎረባብቲ፡ ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም፡ ንማዕጾ ገዝኡ ደፊኦም ብምእታው ነቲ ሓዊ ኣጥፊኦም፡ ናብ ለካቲት 12 ሆስፒታል ምስ ተወስደ፡ ብኸቢድ ነዲዱ ብምንባሩ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሰዓት 7 ሂወቱ ሓሊፋ።
ስለምንታይ'ዩ ኣብርሃም ንበይኑ ክነብር መሪጹ?
ኣብርሃም ዱሬሳ፡ ብዓል ሓዳር ኮይኑ፡ ብዓልቲ ቤቱ ነፍሰጾር ብምዃና፡ ኣብ ውርሒ መስከረም ክትወልድ ናብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ቤተሰባ ምኻዳ ጣሰው ንቢቢሲ ሓቢሩ፥።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ግጭት ድማ፡ ኣብርሃም ንበይኑ ክነብር ተገዲዱ። ንሳ ድማ፡ ወሊዳ፡ ተጠሚቓ ክትምለስ ምስ ሓሰበት፡ በረራ ስለዝተቛረጸ ተደናጉያ።
ጣሰው፡ ብሞት ዝፈትዎ ዓርኩ ዝተሰምዖ ሓዘን ከቢድ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሆስፒታል ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቶ ኣሸብር ገብረሂወት ከምዝብሎ፡ ቀዳም ንጉሆ ትንፋሱ ከምዘይሓለፈት፡ ይኹን እምበር ኣካላቱ ምሉእ ብምሉእ ተቓጺሉ ከምዝረኣዮ ይዛረብ።
ፕረዚደንት ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ወሰን ኣለሙ፡ ኣብቲ ማሕበር ን3 ዓመታት ከምዘገልገለ ብምሕባር፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ፡ ምስ ጥንቃቐታት ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ግጉይ ሓበሬታ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓደ ዓይነ-ስዉር ርእሱ ኣቃጺሉ ከምዝሞተ ገሊጹ።
ኣብርሃም ዱሬሳ፡ ደንጒዩ ብምምጽኡ ናብ ፈተና ኣይትኣቱን ኢኻ ምባሉ፡ ሕጊ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጸ'ዩ ይብል ኣቶ ወሰን።
"ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣካለስንኩላን ዝተመጣጠነ ምትሕብባር ይብል'ዩ" ብምባል፡ ንኣካለ ስንኩላን ናይ ሰዓት፡ ቦታን ምጥጣሕ ክግበረሎም ማለቱ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
እቲ ንኣብርሃም ዘጋጠሞ ጌጋ'ዩ ብምባል ዝዛረብ ፕረደዚንት ማሕበር ስንኩላን፡ "እቲ ፈተና ዝህብ ኣካል ንከምዚ ዝበለ ኣገባብ ክህልዎ ነይሩዎ" ይብል።
ፌደረሽን ኣካለስንኩላን ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዱሬሳ ዝተወስደ ስጉምቲ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ተኸታቲሉ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ'ሎ።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ናብ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ጉዳይ ንዕኦም ከምዘይምልከት ገሊጹ።
እቲ ይምልከቶ'ዩ ዝተባህለ ትካል ፈተናታት ብወገኑ፡ መልሲ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







