ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ናይ ሊፍት ጉድጓድ ኣትዩ ዝሞተ ዓይነ-ስውር

ምንጪ ስእሊ, AKAKI KALITI SUB CITY ADMN/FB
ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲ ኣበባ፡ ድረስ ሁናቸው ዝተብሃለ ዓይነ ስዉር፡ ምድሪ ቤቱ ክፍቲ ናብ ዝኾነ ሊፍት ኣትዩ፡ ህይወቱ ከም ዝሓለፈት ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ማሕበር ዓይነ ስውራን ኢትዮጵያ ኣይተ ገብሬ ተሾመ ገሊጹ።
እቲ ዓይነ-ስውር፡ ካብ ሻውዓይ ደብሪ[ደርቢ] ናብ ሳልሳይ ንምውራድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዚ ሓደጋ ከምዝገጠሞ ፖሊስ ኣረዲኡ።
ማሕበር ዓይነ ስውራን ኢትዮጵያ ኣይተ ገብሬ ተሾመ፡ እቲ መዋቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮተቤ ሜትሮፖሊታን፡ ኣብዚ ዓመት፡ ብመምህርነት ብዲፕሎማ ከምዝተመረቐ ይዛረቡ።
ተመረቕቲ፡ ስልጠና ድሕሪ ምውሳዶም ቦታ ንክምደቡ ብሰምበት እዩ ዕጫ ወጺኢሎም። ይኹን ምበር ንሱ ካብቲ ዝነበረሉ ክፍለ ከተማ ኣቃቒ ኣብ ዝረሓቐ ከባቢ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ በፂሕዎ።
ካብኡ ንሱ ኣብ ዝነብረሉ ክፍለ ከተማ ንክምደብ፡ ናብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ከይዱ ሓቲትዎም፤ ንሶም ግና ኣብቲ ናይ ባዕሉ ክፍለ ከተማ ንክሓትት ስለዝነገርዎ ናብ ክፍለ ከተምኡ ከይዱ፡ ኣዘራሪቡ እንክመለስ ከሎ እዩ እዚ ሓደጋ ገጢሙዎ።
"ካብ ዝነበሮ ሻውዓይ ደብሪ ብሊፍት ንምውራድ፡ ናይቲ ሊፍት መሕተቲ ቁልፊ ምስ ጠወቖ፡ እቲ ሊፍት ተኸፊቱ። ግና እቲ ሊፍት ምድሪቤቱ ባዶ እዩ ነይሩ። ንሱ ግና እቲ ሊፍት እንተተኸፊቱ ምድሪቤት ኣለዎ ኢሉ ስለዝሓሰበ ናብ ውሽጢ እንትኣቱ፡ ናብ ዘይተፀበዮ ጉድጓድ ኣትዩ ሞይቱ" ኢሎም።
እቲ ዘጋጠመ ፀገም ኣይኮነን ዶ ንዓይነ ስውራን፡ ምርኣይ ንዝኽእሉ'ውን ፀገም ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፡ መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ፡ ናብ ሊፍት ምእታዎም እምበር እቲ ዝረግፅዎ ዘይምርኣዮም ተቓላዓእነቶም ልዑል እዩ ኢሎም።
እንተኾነ ኣብታ ሃገር፡ ንዓይነስውራን ዝወፅአ ሕጊ ይትግበር ከምዘየለ ሓቢሮም።
"ንዓና ንዓይነስውራን፡ ብመሰረት ሕጊ ኮንስትራክሽን 2001፡ ዝወፅአ ናይ ህንፃታት ኮድ ኣሎ ፤ እዚ ኮድ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘለዉ ቁልፍታት ሊፍት ዓይነ ስውራን ብ 'ብረይል' ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ኮድ ንክህልዎም፤ ከምኡ እውን ሓባሪ ድምፂ ንክህልዎም እዩ ዝድንግግ" ይብሉ ።
ኣብ ባይታ ግን እዚ ሕጊ ብትኽከል ተግባራዊ ይግበር የለን- ኢሎም። ንባዕሎም'ውን ገለ ተጓንፎ ከምዘለዎም ይዛረቡ።
"ኣብ ሊፍቲ ውሽጢ ኣትየ ዝተንከፍኩዎም ቁልፊታት መብዛሕተኦም ኣይሰርሑን። እቶም ዝሰርሑ እንተኾነ'ውን ኣብ 9ይን ኣብ ምድርቤትን ዘለው ጥራሕ ዘለዉ እዮም። ኣነ ክኸድ ዝደለኹ ናብ 5ይ ደብሪ እዩ። ካብብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እናመላለስኩ ምስ ወዓልኩ ብሓገዝ ካልኦት ሰባት እየ ወጺአ" ክብሉ ተጓንፈኦም የካፍሉ።
ከምኡ ድማ፡ ብስራሕቲ መገዲ፣ ብሓደጋ መኪና፣ ኣብ ድልድል [ቢንቶ]ን ካብ ቅርቅርቲ ህንጻታትን ወዲቖም ሓደጋ በጺሑዎም ዝሞቱን ጉድኣት ኣካል ዝበጽሖምን ዓይነ-ስዉራን ብዙሓት ከምዝኾኑ ኣይተ ገብሬ ተሾመ ወሲኾም ይዛረቡ።
"ብቁጽሪ ውሑዳት ስለዝኾንና እዩ ይመስለኒ ውን ኣይንብሎምን" ኢሎም።
ብዛዕባ እቲ ብሰኑይ ዝበጽሐ ሓደጋ ተወሳኺ መረዳእታ እናተኣኻኸቡ ከምዝርከቡ'ውን ኣረዲኦም።
እቲ ተጓንፎ ብዙሓት ኣቖጢዑን ኣደንጊጹን እዩ። ገለ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቅሬተኦም የስምዑ ኣለዉ።
መረዳእታ ፖሊስ
ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሓደጋታት ትራፊክ፡ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ-ቃሊቲ፡ ኮማንደር ተስፋየ ወሰንየለህ፡ እቲ ሓደጋ ዝበጽሐ፡ እቲ ዓይነ ስውር ብዝተነገሮ መሰረት፡ ካብ 7ይ ናብ 3ይ ደርቢ [ደብሪ] እንትወርድ ከመዘጋጠሞ ገሊጹልና።
እቲ ሊፍቲ ኣብ እንቅስቃሴ ከምዝነበረን፡ እቲ ዓይነ-ስውር ኣብ ዝተንከፈሉ ደረጃ ከምዘይነበረን ይገልጽ እቲ ሓላፊ።
እቲ ዓይነ-ስውር ግን እቲ ሊፍት ጠጠው ዝበለ መሲሉዎ ናብ ጉድጓድ ኣትዩ፡ ንሓደጋ ከምዝታቐዓለዐ እዩ ዘረድእ።
ህንጻ እቲ ክፍለ ከተማ ሓድሽ ከምዝኾነን ኣብዚ ዓመት ስራሕ ከምዝጀመረን እቲ ኮማንደር ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ሊፍት ግን ብተደጋጋሚ ከም ዝተበላሸየ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







