ትካላት ኢትዮጵያ ንጽሙማን ኮነ ኣካለ ጎደሎ ይሕግዛ'ዶ?

ከሦስት ዓመት በፊት የተመሰረተው 'ተኪ' የወረቀት ቦርሳ አምራች ድርጅት ነው

ምንጪ ስእሊ, TEKI

መግለጺ ስእሊ, ከሦስት ዓመት በፊት የተመሰረተው 'ተኪ' የወረቀት ቦርሳ አምራች ድርጅት ነው

ሚሚ ለገሰ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልፋ ምስማዕ ዝተሰኣኖም (ጽሙማን) ትመሃር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ሓደ ኢትዮጵያውያን ካልእ ስዊዘርላንዳውን ተላልያ።

ሽዑ ንሳቶም ብ3 ሚልዮን ብር መበገሲ በጀት፡ ንጽሙማን ዝሓቖፈ ትካል ናይ ምምስራት ዕላማ ነይርዎም።

ኣብ መዕበዪ ህጻናት ዝዓበየት ሚሚ ምስ ክልቲኦም ኮይና ካብ ወረቐት ዝዳሎ ቦርሳ ንምስራሕ ተዳለዉ። ነዚ ክሓስቡ ከለዉ ድማ ነቶም ምስማዕ ዝተሰኣኖም ወገናቶም ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ከባቢ ካብ ብኽለት ንምክልኻልን ዕላማ ብምግባር'ዩ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምሃብ እትፈትው ሚሚ ብፈትሊ ትሰርሖም ካብ ዝነበረት ስራሕቲ ናብዚ ናይ ወረቐት ቦርሳ ገጻ መለሰት።

ቅድሚ ሰለስተ ከመት ከኣ ነዚ 'ተኪ' ዝተበሃለ ትካል ክምስርቱ ክኢሎም።

ምስማዕ ምስ ዝተሰኣኖም ቆልዑ ዝዓበየት መስከረም በየነ ኣብ ትርጉም ናይ ምልክት ቋንቋ ትሰርሕ። ናብ ትካል ተኪ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ተጽምቢራ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚሚን መስከረምን ነቲ ትካል ብኣካያድነት ስራሕ ይመርሕኦ።

ሚሚ ምልክት ቋንቋ ዝትርጉም ሰብ ብምሓዝ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እናኸደት ነቲ ካብ ወረቐት ዝተሰርሐ ቦርሳ ተላልይ። መስከረም ብወገና እጃማ ትፍጽም።

[ሚሚ ምስ ቢቢሲ ብምልክት ኣብ ዝገበረቶ ዕላል መስከረም ትትርጉመላ ነይራ]

ሚሚ

ምንጪ ስእሊ, TEKI

ንብድሆታት ብዓወት ምስዓር

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መንግስታዊ ኮኑ ዘይመንግስታዊ ትካላት ንጉዱኣት ኣካል ዝሓቑፉ ብዘይምዃኖም ይንቀፉ።

ጉድኣት ኣካል ንዘለዎም ሰባት ቆጺሮም ከስርሑ ካብ ዘይምድላይ ጀሚሩ፡ እንተቖጸርዎም እውን ምቹእ ኩነታት ዘይምፍጣር እቶም ዓበይቲ ጸገማት'ዮም።

ተኪ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ዕላማ ብምሓዝ ዝተበገሰ ትካል'ዩ። ብኣውርኡ ድማ ምስማዕ ዝተሰኣነን ደቂኣንስትዮ እናቖጸረ የስርሕ።

"ትካላት ንጉድኣት ኣካል ክቖጽሩ ኣብ ዝሓስቡሉ እዋን ስግኣት ይሓድሮም። ምስማዕ ንዝተስኣኖ ሰራሕተኛ፡ ተርጓሚ ብምቑጻር ተወሳኺ ወጻእታት ከውጽኡ'ዩ ዝገብሮም። ኣብ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ'ውን እዚ ክፍተት ኣሎ። ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎም ሰባት ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰብ ክሰርሑ ይኽእሉ'ዮም ኢልካ ምሕሳብ የለን" ትብል ሚሚ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ምስማዕ ዝተሰኣኖም (ጽሙማን) ዘጋጥም ጸገም ካብ ስድራ ከም ዝጅምር እትዛረብ ሚሚ፡ ቋንቋ ምልክት ዝኽእል ሰብ ስለዘይህልዉ እቲ ክሰምዕ ዘይክእል ቆልዓ ካብ ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ዝረሓቐ ኮይኑ ከምዝዓብይ ተረድእ።

"ምስማዕ ዝተሰኣኖም ይግለሉ፤ ጽምዋ የጋጥሞም። ኣብ ተኪ ግን ነንሓድካ እናተረኣኣኻ 'ንበይነይ ኣይኮንኩን' ብዝብል ንጉድኣቶም ኣቕሊሎም ክርእዩ ዕድል ኣሎ። መረዳእታ [ሓበሬታ] ንለዋወጥ ኢና። ሓበሬታ ምርካብ ከኣ ርእሰ-ተኣማንነትካ (ዓርሰ ምትእምማንካ) ክውስኽ'ዩ ዝገብር" ትብል።

ኣባላት ትካል ተኪ

ምንጪ ስእሊ, TEKI

ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ጉዱኣት ኣካል ዝቖጸረ ትካል ካብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ['ቫት'] ነጻ ከም ዝኸውን ድንጋገ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ግን ክፍተት ከምዘሎ መስከረም ትዛረብ።

"በዚ ተረባሕቲ ንምዃን ሕቶ ኣብ ዘቕረብናሉ እዋን 'ቢሮክራሲ' ዘለዎ ኮይኑ ጸኒሑና። ሸውዓተ ወርሒ ዝኣክል ብኦዲት ሓሊፍና ክሳብ ሎሚ ክፍጸመልና ኣይከኣለን" ትብል።

ካብ ቫት ነጻ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ደገ ዝኣትዉ ኣቑሑት ካብ ቀረጽ ነጻ ምግባርን ካልኦት መተባብዕታትን ኣለዉ። እዚኦም ግብራዊ እንተደኣኾይኖም ትካላት ንጉድኣት ኣካል ቆጺሮም ከስርሑ ከምዝለዓዓሉ እምነት ኣለዋ።

ሓለዋ ከባቢ

ኢትዮጵያ ብኽለት ካበቢ ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ ምህርትታት ፕላስቲክ ዝእግድ ትልሚ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ እያ። ጎረባብታ ዝኾና ኬንያ ትርከበን ብዙሓት ሃገራት ነዚ ግብራዊ ካብ ዝገብራ ጸኒሐን'የን።

ተኪ ድማ እቲ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ ግብራዊ ቅድሚ ምዃኑ ንሓለዋ ከባቢ ዘይጻባእ ናይ ወረቐት ቦርሳ (ዘምቢል) ከላልይ ይጽዕር ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ግንዛበ ሓለዋ ከባቢ ከምዘይማዕበለ እትገልጽ ሚሚ፡ እዚ ድማ ኣብ ስርሐን ፈተና ከም ዝኾነን ትዛረብ። ንኣብነት ወነንቲ ድኳናት ነቲ ብሕሱር ዋጋ ዝረኽብዎ ላስቲኽ ይመርጹ።

በዓል ሚሚ እቲ ፍርያቶም ካብቲ ናይ ፕላስቲክ ዋጋ ዝውስኽ እንተኾነ'ኳ ንሓለዋ ከባቢ ዝህቦ ትርጉም ግን ብዙሕ ከምዝኾነ ንኸረድኡ ይጽዕሩ'ዮም።

ካልኦት ኣበይቲ ትካላት ነዚ ናይ ወረቐት ዘንቢል ክጥቀሙ ዝረኣዩ ግን ድልየት ይሓድሮም ከምዘሎ ተረድእ።

"ሕዚ ንረኽቦ መኽሰብ ቁሩብ'ዩ። ግንዛበ እናሰፍሐ ምስከደ ግን ብዝሓሸ ኩነታት ክንሸይጥ ኢና። ክንብገስ ከለና ዝሓዝናዮ ዕላማ ሓለዋ ከባብን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን'ዩ" ትብል።

ሓደ እዋን ምስ ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፡ ብደቂኣንስትዮ ፈጠርቲ ስራሕ ንዝተጣየሻ ትካላት ብነጻ ናይ ወረቐት ቦርሳ ዓዲለን ነይረን።

ፍርያት ውሕልና [ሽሮ፣ በርበረ፣ ቅመማትን ካልኦትን ዘዳለዉ] ከምኡ'ውን ፋርማሲታት ድማ ነቲ ቦርሳ ብጽቡቕ ተቐቢሎምዎ።

ተኪ ዛጊት 395 ሽሕ ናይ ወረቐት ቦርሳ ኣዳልዩ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, TEKI

መግለጺ ስእሊ, ተኪ ዛጊት 395 ሽሕ ናይ ወረቐት ቦርሳ ኣዳልዩ'ሎ

"ኣብዚ ዓውዲ ንኻልኦት ጉዱኣት ኣካላት'ውን ብቐዳምነት ዕድል እንተዝወሃብ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስራሕ ዝሰኣኑ ጉዱኣት ኣካል ምተረብሑ" ትብል ሚሚ።

ተኪ ምስማዕ ብዝተስኣኖም 18 ሰራሕተኛታት ይንቀሳቐስ። ክሳብ ሕዚ 395 ሽሕ ናይ ወረቕት ቦርሳ ኣፍርዩ እዩ። መቐመጢ መጸባበቒ ኣቑሑት፣ መጓዓዓዚ መግብን ንካልኦት ኣቑሑትን ናይ ወረቐት ቦርሳታት ብዝተፈላለየ ዋጋ የቕርብ።

ምኽባር እታወታት ቀንዲ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ሚሚን መስከረምን ይዛረባ። ካብ ቀረጽ ተወሳኺ እሴት ነጻ እንተዝኸውን ክቕየር ዝኽእል ምዃኑ ይሕብራ።

''ክሳብ ሕዚ ካብ ቫት ነጻ ኔርና እንተንኸውን፡ መሸጢ ዋጋ ምህርትታትና ብምንካይ፡ ሰብ ብቐሊል ክገዝእ ምግባር ምኸኣልና። ናብ ዕዳጋ ኣቲና ተወዳደርቲ'ውን ምኾንና'' ትብል ሚሚ።

ቅድም ክብል ካብ ተረፍ ምህርቲ ካብ ዝተሰርሐ ወረቐት ይጥቀሙ ነይሮም። ብምኽንያት ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ፡ ዝጥቀሙሉ ኬሚካል ከምዝደልይዎ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ጽርየት ምህርቲታቶም ቀኒሱ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ንዝተወሰነ ግዘ ምፍራጥ ጠጠው ኣቢሎም ነይሮም።

ነዚ መፍትሒኡ ድማ ሓገዝ መንግስትን ካብ ቫት ንጻ ምዃንን ከምዝኾነ ሚሚ ትገልጽ።

ኣባላት ትካል ተኪ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, TEKI

እቲ ኻሊእ ጸገም ምችው ናይ ስራሕ ቦታ ዘየምህላው እዩ። ቅድም ክብል ይሰርሕሉ ዝነበረ ቦታ ካብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ አዐርዩ ስለዝርሕቕ፡ ምህርቶም ንምጉዕዓዝ ተጸጊሞም ነይሮም። እቲ ቦታ ንመንበበሪ ተባሂሉ ዝተዳለወ ብምንባሩ ድማ ምህርቶም ዝኽዝኑሉ ቦታ ኣይነበሮምን። ተወሰኽቲ ምስማዕ ዝተስኣኖም ድማ ክቖጽሩ ኣይከኣሉን።

ድሕሪ ዓመት ዝወሰደ ከይዲ፡ ኣብ ከባቢ ጎተራ ንኣናእሽቱን ደቀቕትን ኣብ ዝተመደብ ህንጻ፡ መንግስቲ ብውሑድ ክራይ ቦታ ሂቡዎም። ምህርቲታት ንምምልላስ ምቹው ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዝባን ደብሪ ስለዝኾነ፡ በትሪ ወይ ብሽክለታ ንዝጥቀሙ ሰባት ምቹው ኣይኮነን።

ሚሚን መስከረምን ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 5 ሚልዮን ቦርሳታት ወረቐት ናይ ናይ ምሻጥን ን100 ሰባት ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣርን ትልሚ ኣለወን።