ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ንመሰጋገሪ እዋን እታ ሃገር ንምዝራግ ዝግበር ጻዕርታት ኣጠንቂቑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪላውያንን ኣባላት ልኡላዊ ቤትምኽሪ ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኩነታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንመሰጋገሪ እዋን እታ ሃገር ንምዝራግ ዝግበር ጻዕርታት ኣጠንቂቑ።

እቲ እንኮ መፍትሒ ድማ ነቲ “ሓደገኛ ፖለቲካዊ ቅልውላው” ብዘተ መፍትሒ ምግባር ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግና ነቲ እታ ሃገር ወጢናቶ ዘላ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላውያን ክትግበር ዘይደልዩ፡ ገለ ኣዝዮም ሓያላት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብ ዝለሓፈ ወርሒ ፈተነ ዕልዋ ዝመስል ተግባራት ድሕሪ ምርኣዩ፡ ኣብ ውሽጢ ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ወጥሪ ዓሪጉ ኣሎ።

ዝቕጽሉ ሒደት መዓልትታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።

ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ፖለቲከኛታት እቲ ህልው መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ንቀዳም ጸዊዖም ኣለው።

ኣብ ዝቕጽል ሓሙስ ከኣ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልብ ካልእ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ልኡላዊ ቤትምኽሪ ኣብ 2019 ንምእላው ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ስዒቡ እዩ ተመስሪቱ።

ብሰንኪ ዓሌታዊ ተቓውሞታት ቀነዲ ወደብ እታ ሃገር ተዓጽዩ ብምህላው ቁጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር ይብእስ ከም ዘሎ ይግለጽ።