ታይዋን ንቻይና ከምዘይትምብርከኽ መራሒታ ኣፍሊጣ

መራሒት ታይዋን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ታይዋን ከቢድ ወጥሪ ኣብ ዝዓሰለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ፕሬዚዳንት ፃይ ኢንግ ዊን ሃገራ ንቻይና ከምዘይትምብርከኽን ኣብ መትከላት ዲሞክራሲ ሰሚራ ከምእትሰርሕን ኣፍሊጣ።

ንሳ ወሲኻ’ው ን፡ “ብዙሕ ብዝተዓወትና ቁጽሪ ካብ ቻይና ከቢድ ፅዕንቶ ከምዝበጽሐና ንፈልጥ ኢና፡” ኢላ።

ታይዋን ንባዕላ ከም ነጻ ሃገር እንተቖጸረት’ኳ፡ ብወገን ቻይና ከምኡ ዓይነት ርድኢት የለን። ከም ተነጻሊት እያ ትርአ።

ቻይና ነቲ ትኣልሞ ዘላ ውህደት ንምፍጻም ሓይሊ ክሳብ ምጥቃም ከምእትኸይድ ይዝረብ።

ኣብ መዓልቲ ሃገራዊ ክብረ በዓል ታይዋን ዘረባ ዘስመዐ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ብወገኑ፡ ውህደት እተን ሃገራት ኣብ ሓጺር እዋን ክዛዘም እዩ ክብል ቃል ኣትዩ።

ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሂብዎ ዝነበረ ሓሳብ ናይ ሎሚ ሓሳቡ ዝያዳ ሰላማዊ ይመስል።

ፕረዚደንት ጂንፒንግ “ታይዋን ናብ ኣዲኣ ቻይና ብምልኣት ናይ ምውህሃድ ታሪኻዊ ዕዮ ገዛ ክፍጸም’ዩ፤ ግድን ድማ ክኸውን’ዩ” ኢሉ።

እቲ ውህደት ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ክካየድ ከምዝደልን ከምቲ ናይ ሆንግ ኮንግ ዓይነት ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ስርዓት ተግባራዊ ከምዝግበር ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ታይዋን ግና፡ሃገራ ኣብ መትከላትን ጽንሰ-ሓሳባትን ዲሞክራሲ ሸኺላ ከምእትሰርሕን፡ ኣብኡ ጸኒዓ ከምእትሰርሕ ተዛሪባ።

ናጽነትን ልኡላዊነትን ታይዋን ብዝዳፋእ መልክዑ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ውህደት ኮነ ምፍርራሓት ከምዘይትቕበል’ውን እታ መራሒት ወሲኻ ኣብሪሃ።

ወተሃደራዊ በረራታት ቻይና ንግዝኣት ታይዋን ጥሒሰን ምእታወን ኣብ በረራታት ኣቬሽን እታ ሃገር ጽልዋ ከምዝፈጠረን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት እቲ ኩነታት እናኸፍአ ምምጽኡ ተዛሪባ።

እንተኾነ፡ ሰራዊታ ተበርትዕ ‘ምበር ታይዋን ሃጺጻ እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣይህሉን ኢላ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰፊሕ ናይ ድሚጺ ኣፈላላይ ዝተመርጸት መራሒት፡ ቻይና ንምንሕናሕ ቃል ኣትያ ነይራ።

ሕዚ ድማ፡ ምስ ቻይና ብማዕርነት ንምዝራብ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ‘ተገንጻሊት’ ዝብል ሳጓ ከምዘውሃባ ተዛሪባ።

እታ ፕረዚደንት ዘረባ ምስ ኣስመዓት እዩ፡ ነፈርቲ ውግእ ቻይና ናብ’ታ ሃገር ክሕንበባ ጀሚረን።

ቻይናኸ እንታይ ትብል?

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዘስምዖ መደረ ምስ ታይዋን ዝግበር ‘ውህደት’ ግድን ክማላእ ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ እቲ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ውህደት ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ከምዝካየድ ድሕሪ ምግላጽ ቻይናውያን ቀደም ተነጻልነት ዝቃወም ጽቡቕ ባህልን ልምድን ከምዝነበሮም ኣዘኻኺሩ።

ንመደረ እቲነፕረዚደንት ስዒቡ ምላሽ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታይዋን ብግድኡ ዕጫ ታይዋን ብድምጺ ህዝባ ጥራይ ከምዝወሰን ኣፍሊጡ እዩ።

ቻይና ክሳብ ሕጂ እቲ ውህደት ሓይሊ ተጠቒማ ክትገብሮ ኣይፈተነትን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ 150 ነፈርቲ ውግእ ቻይና ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ምእታወን ስዒቡ’ዩ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ መደረ ኣስሚዑ ዘሎ