ኣብ ሊብያ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ

መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ፡ ዝጸንሐ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ፡ ዝጸንሐ ስእሊ

ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርዎይ በቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ ማዕበላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ከምዝተሻቐለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ትማሊ ንጉሆ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ኣብታ ሃገር: ዳክስ ሮቅዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

“ሎሚ ንጉሆ ኣብ ትሪፖሊ ብዘጋጠመ ማእሰርቲ ብዙሓት ተሻቒልና ኣለና። ደቂ ኣንስትዮን ዕሸላትን ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ስደተኛታት ተኸቢቦም ከምዝተኣሰሩን ሕማቅ ኣተሓሕዛ ኣጓኒፍዎም ከምዘሎን ንሰምዕ ኣለና” ኢሉ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዕቑባ ዝሓተቱ ሰባትን ብፍላይ ድማ እቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝበዝሕ ግዜ ኣደዳ ማእሰርቲ ይኾኑ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ጾታዊ ዓመጽን መግረፍትን ልሙድ እዩ።

እቲ ሓላፊ ናይቲ ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍ ትካል ግብረሰናይ፡ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝግበር ዘሎ ማዕበላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ኣካል ናይቲ ብሰበ ስልጣን ሊብያ ዝግበር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ሰበ ስልጣን ነቶም ዝተኣሰሩ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክፈትሕዎምን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ግህሰት መሰላት ደው ከብሉን’ውን ጸዊዑ’ሎ። ምስ ሊብያ ጥቡቕ ርክብ ዘለወን ሃገራት ብሕልፊ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ዝንቀሳቐስሉ ከጣጥሑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብዙሓት ብመገዲ ጥልያን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ ግዜ ናብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይዝከር።