ዩኤንኤችሲኣር ሊብያ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘልዓለዎ ሕቶ ይርእይ ከምዘሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Solomon
ቤት ጽሕፈት ዩኤንኤችሲኣር ሊብያ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘልዓልዎም ሕቶታት ይርእይ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ቤት ጽሐፈት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣስታት 80 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ኣፍደገ ዝገበርዎ ሰልፊ ሰላማዊ ከምዝነበረ ገሊጹ።
እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ሊብያ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ብዝምለከት ዘለዎም ስክፍታ ከምዝገለጹ ዘመልከተ እቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ኣብ ዝሰጋገሩሉ ኩነታት ቅልጡፍ ፍታሕ ክወሃቦምን ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ክግበርን ምሕታቶም ኣፍሊጡ።
ወከልቲ ናይቶም ሓተትቲ ዕቑባ ምስ ሰራሕተኛ ዩኤንኤችሲኣር ዝተራኸቡ ኮይኖም ንስክፍታታቶምን ጠለባቶምን ዝሓዘ ደብደበ ኣረኮቦምዎ ኣለዉ ይብል መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት።
ነቶም ኣብቲ ደብዳበ ዝቐረቡ ሕቶታት ይግምግም ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ናብቶም ስደተኛታት ዘድልይ ሓበሬታ ክበጽሖም ከምዝገብር ኣረዲኡ’ሎ።
“ዩኤንኤችሲኣር ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘሎ ጸገም ድሕነት፣ ድኹም ልዕልና ሕጊ፣ ዝተዳኸሙ ትካላትን ምንቁልቋል ቁጠባን፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ ዝተወልዑ ጎንጽታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባ ንዘንጸላልዉ ብድሆታትን ጸገማትን ይግንዘብ’ዩ” ዝበለ እቲ መግለጺ፤ ፍታሕ ኣብ ምሃብ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ እቲ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድል ኣዝዩ ዝጸበበሉ ኩነታት ስለዘሎ እቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ነዚ ክግንዘቡ ሓቲቱ።
ብቐጻልነት ድማ ብፍላይ ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቑባን ስደተኛታትን ናብ ካልእ ሃገር ንኽሰጋገሩ ዘኽእል ዕድል ክውስኽ ኣብ ምግባር ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።
ዕላማ እቲ ሰልፊ እንታይ እዩ?
ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሓዲግ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ይነፍገና ኣሎ ክብሉ እዮም ተቓውሞታት ኣስሚዖም።
እቶም ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከይከዱ፡ ሕቶታቶም ይንጸግ ምህላውን እቲ ትካል ናይ መነባብሮ ደገፍ ይገብረሎም ከምዘየሎ እውን ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
እቶም ስደተኛታት ካብ 3 ክሳብ 4 ዓመታት ኣብታ ሃገር ክጽበዩ ከም ዝጸንሑ ይዛረቡ።
እቶም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ናይቲ ትካል ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ስደተኛታት፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ፡ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸንሐት ሊብያ ሓዲግ ዝተረፉ'ዮም።
ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መዳጎኒታት ዝተሓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ መሰላትን፡ ክፉእ ኣተሓሕዛ የጋጥሞም ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







