ኣብ ኒጀር ንዓመታት ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሎሚ ጀርመን ኣትዮም

ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛኣተት ንራብዓይ መዓልቶም ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ

ኣብ ኒጀር ዝጸንሑ ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምትሕብባር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገረ ጀርመን ተሰጋጊሮም።

እቶም ሎሚ ሓሙስ ናብ ጀርመን ዝኣተዉ ስደተኛታት ብሰንኪ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክጽበዩ ዝጸንሑ'ዮም።

ናብ ጀርመን ክሰጋገሩ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣስታት 123 ክኾኑ እንከለዉ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 107 ካብኦም ሰሊጥዎም ኣሎ። እቶም 10 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 16 ግን ዝገበርዎ ናይ ሕክምና መርመራ ክሳብ ዝውዳእ ይጽበዩ ምህላዎም፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ እቶም ትጽቢት ዝነውሖም ስደተኛታት እቲ ዝተኣትወሎም ቃል ብዘይምፍጻሙ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ተቓውሞታት ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

እቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ዘይርጉእ ኩነታት ናብ ውሑስ መሰጋገሪ ማእከል ክጸንሑ ተባሂሎም'ዮም ካብ መወዳእታ 2017 ጀሚሮም ናብ ኒጀር ግዒዞም።

ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኾነ ሜሮን መሓሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሕና ከምቲ ዝፍለጥ፡ ብመንገዲ ምትሕብባር ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር [ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት] ካብ መወዳእታ 2017 ኣትሒዝና ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስግጋር ካብ ሊብያ ዝመጻእና ኴንና፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ንምጥያስ ንኣስታት ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ዝተጸቤና" ኢሉ።

እታ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓልፉላ ሊብያ፡ ኣብ 2011 ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካብ ትኣቱ ንድሓር፡ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝወደቑ ይዝከር።

ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ተኪአ ፍስሃየ

ኣብ መዳጐኒታት ዝበጽሖም ግፍዕታትን ይኹን ካብ ኣሰጋገርቲ ዝወርዶም ኣካላዊ ማህሰይቲን ምዝመዛን ዓለም ዘዛረበ'ዩ ነይሩ። ገለ ካብኦም'ውን ከም ኣቕሓ ዝተሸጡን ዝተለወጡን ይርከብዎም።

ሜሮን ከምዝብሎ፡ ፈለማ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 6000 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ክግዕዙ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምስግጋሮም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 500 ኣብ ኒጀር ተሪፎም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ስደት ከምዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ፡ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናጽነታትን፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ እገዳታትን ምዃኑ ተጣበቕቲ ይገልጹ።