ስደተኛታት ኣብ ኒጀር፡ "ካብዚ ዘለናዮ ኣብ ሊብያ ምሓሸና"

ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ተኪአ ፍስሃየ

ሊብያ ኣብ ልዕሊ እቲ ተፈጥሮኣዊ ሙቖታ፡ ግፍዕን ምስርጣይን ናይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ ተወሲኽዎ ንስደተኛታት ገሃነም እያ ኮይናቶም።

መዓመር ቀዛፊ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ዝተረጋግአ መንግስቲ ዘይብላ ሊብያ፡ ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ምንጪ እቶቶም እያ።

እቲ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝገጥሞም ግፍዒ፡ ኣብታ ሃገር ኤምባሲታት ምስ ዘይምህላወን መስካሪ የብሉን፡ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣውያቶም መልሲ ኣልቦ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣህጉራዊ ትካል ስደት (ኣይ.ኦ.ኤም)፡ ከም ፍታሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንኽሰጋገሩ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ሃገረ ኒጀር ከጉዕዞም ጸኒሑ'ዩ።እዞም ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ ዝርከብዎም፡ ካብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦት ሃገራትን ዝተኣኻከቡ እዮም።

ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ካብ ዝተዋፈሩ ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, ተኪአ ፍስሃየ

እዞም ካብ ሊብያ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ዝኾነት ንያመይ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኒያመይ ኣብ ዝገበርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ብመንገዲ ኣህጉራዊ ትካል ስደት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ካብ ዝመጽእ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዝገበረ ኤርትራዊ ተኪአ ፍስሃየ፡ ክሳብ ሕጂ ሕቶ ዑቕብኡ ከም ዘይተመለሰ ይሕብር።

"ጉዳይና፡ ሓንሳብ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኒጀር እዩ ዘሎ ንብሃል፡ ናብ መንግስቲ ኒጀር ኣብ ዝሓተትናሉ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት እዩ ዘሎ እናተብሃልና ኣብ ጠልጠል እዩ ዘሎ" ይብል።

እዞም ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ስደተኛታት፡ ፖሊስ ኒጀር ነቲ ሰልፊ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ከም ዝተጠቀሙ፡ ኣብቲ ኣብ 'ፌይስቡክ' ብቀጥታ ዘመሓላለፍዎ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ይረአ ነይሩ።

ቀንዲ ሕቶ ናይዞም ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኣስታት 290 ዝኾኑ ናብ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወጽኡ ስደተኛታት፡ ምስግጋር ናብ ሳልሰይቲ ሃገር፡ ምስ ቆልዑቶም ንዝመጽኡ ወለድን፡ ንትሕቲ ዕስራን ክልተን ዓመቶምን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ነቶም ልዕሊ ዕስራን ክልተን ዓመቶም ቆላሕታ ስለ ዝተነፍጎም፡ ወጽዐኦም ንዓለም ንምንጋር፡ ጥርዓኖም ናብ ኤምባሲታት ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ ሃገረ ኒጀር ንምብጻሕ ምንባሩን ኣብኡ ከይበጽሑ ብፖሊስ ኒጀር ብጎነጽ ከም ዝተመለሱን ተኪአ ፍስሃየ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ።

ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ተኪአ ፍስሃየ

ኢትዮጵያዊ ተስፋየ ገዳ፡ ኣብ ሊብያ ንኣስታት ሸሞንተ ወርሒ ድሕሪ ምእሳሩ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ትካል ስደት'ዩ ቅድሚ ዓመትን ክልተ ወርሕን ናብ ኒጀር መጺኡ።

"ክሳብ ሕጂ ሓንሳብ ጥራይ እዩ ቃለ መሕተት ተገይሩለይ፡ እዚ ከኣ እቲ መስርሕ ብግቡእ ይኽይድ ከም ዘየሎ እዩ ዘርኢ" ድሕሪ ምባል "ካብ ኣብ ኒጀር ኣብ ሊብያ ዝምረጸሉ ኩነታት እዩ ዘጋጥመና ዘሎ፤ ካብዚ ዘለናዮ ኣብ ሊብያ ምሓሸና" ኢሉ።

እዞም ስደተኛታት፡ እቲ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስግጋሮም ዝካየድ መስርሕ ብግቡእ ይካየድ ከም ዘየሎ እዮም ዝዛረቡ።