ጀነራላት፡ 2500 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ፍጋኒስታን ክጸንሑ ንጆ ባይደን መኺሮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክልተ ላዕለዎት ጀነራላት ኣመሪካ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምውጻአ፡ 2500 ወተሃዳራት ኣብኡ ክጸንሑ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ምኽሪ ለጊሶም ከም ዝነበሩ ኣፍሊጦም።
ጀነራል ማርክ ሚሌይን ጀነራል ፍራንክ ማክኬንዚን ንኮንግረስ ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ፕረዚደንት ጆ ባይደን 'ከምዚ ዓይነት ማዕዳ ኣይሰማዕኹን' ምስ ዝብል ሓሳቡ ዝጋጮ እዩ ተባሂሉ።
ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣውጸአት፡ ጣሊባን መላእ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ግዜ ኣይወሰደሉን።
ጀነራል ሚሌይ፡ ኣመሪካ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ቐልጢፉ ክወድቕ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይነበራ ተዛሪቡ።
ክልቲኦም ጀነራላት ኣመሪካ፡ ምስ ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ልሎይድ ኦስሊን፡ ካብ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሕቶ ቐሪብሎም ነይሩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስታት ወጻኢ ዜጋታቶም ካብታ ሃገር ንምውጻእን ተሰፋ ዝሰኣኑ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ እንትጸቓቐጡን ድሕሪ ምርኣይ ሰሙናት ጸኒሑ እዩ።
ካብ ርእሰ ከተማ ካቡል ሰባት ንምውጻእ ኣብ ዝነበረ ጉያ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት 128 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ካብቶም 13 ወተሃደራት ኣመሪካ ዝርከቡዎም ኣፍጋኒስታውያን ብ20 ነሓሰ 2021 እዮም ተቐቲሎም።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ምጽናሕ
ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ናይ ምውጻእ ስራሕቲ ዝከታተል ዝነበረ ጀነራል፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ጀነራል ማክኬንዚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን 2500 ወተሃደራት ክጸንሑ ንፕሬዝደንት ባይደን ምክረ-ሓሳብ ሂበ ነይረ ኢሉ።
እንተኾነ እዚ ናይቲ ጀነራል ሓሳብ፡ ጆ ባይደን 19 ነሓሰ ንጋዜጠኛታት ኤቢሲ ምስ ዝሃቦ ሓሳብ ዝቃረን እዩ ተባሂሉ።
ጆ ባይደን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራት ይጽንሑ ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበ ኣይዝክርን እዩ ኢሉ።
ጀነራል ሚሌይ ብወገኑ፡ 2500 ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ይጽንሑ ምስ ዝብል ሓሰብ ተሰማሚዑ፡ መግለጺ ጆ ባይደን 'ሓሰት ነይሩ ማለት ድዩ' ንዝብል ሕቶ ግን ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
እንተኾነ፡ ናይቶም ጀነራላት ምስክርነት ስዒቡ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ ምላሽ ሂባትሉ ኣላ።
ንሳ፡ "ፕረዚደንት ንሰራዊትን ንላዕለዎት ኣዘዝቱን ሓሳብ ልዑል ዋጋ ይህብ እዩ፤ እንተኾነ ኩሉ ግዜ ብናታቶም ሓሳብ ይስማማዕ ማለት ኣይኮነን" ኢላ።
ወሲኻ ድማ፡ ድሕሪ እቲ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ገደብ ወርሒ ነሓሰ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እንተዝጸንሑ፡ ሕዚ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ኣብ ኲናት ነይራ ማለት እዩ ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







