ልእልቲ ኤምቪ ኣስፋልት ዝተባህለት መርከብ ተጨውያ ናብ ኢራን ክትከይድ ተኣዚዛ

ልእልቲ ኤምቪ

ምንጪ ስእሊ, STEVE GERONAZZO

ኣብ ወሽመጥ ዖማን ሓንቲ ናይ ፓናማ ባንዴራ ዝነበራ መርከብ ብዕጡቓት ተጨውያ ናብ ኢራን ክትጐዓዝ ተኣዚዛ ምህላዋ ሎይስ ሊስት ማሪታይልድ ዝተባህለ ትካል ኣረጋጊጹ ።

እታ መርከብ ናብቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ መራኽብ ንግዲ ዝመሓላለፋሉ ጽዑቕ መስመር ተምርሕ ከም ዝነበረት እቲ መግለጺ ሓቢሩ ።

ነታ መርከብ መን ከም ዝሓዛ ብንጹር ኣይተፈልጠን፤ ግን ሓይልታት ኢራን እዮም ዝጥርጠሩ ይብሉ ተንተንቲ ።

ኢራን ነቲ ዝወጽአ ጸብጻባት፡ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ቴህራን "ተጻራሪ ስጕምቲ" ንምውሳድ ዝተፈብረኸ እዩ ክትብል ነጺጋቶ።

እዚ ፍጻመ እዚ ዘጋጥም ዘሎ፡ ብሓደ እስራኤላዊ ኩባንያ ዝውነን ናይ ነዳዲ መርከብ ኣብ ስግር ዖማን ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ሓደ ብሪጣንያዊ ሓደ ከኣ ሮማንያዊ ሓለውቲ ጸጥታ ካብ ዝቕተሉ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ።

ኣመሪካ፣ እንግሊዝን እስራኤልን ነቲ መጥቃዕቲ ኢራን ከም ዝፈጸመቶ እየን ዝገልጻ፤ ኢራን ግን ነቲ ተግባር ኣትሪራ ነጺጋቶ።

ተንታኒ ጸጥታ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ከም ዝገለጾ፡ እታ ልእልቲ ኤምቪ ዝተሰምየት መርከብ፡ ኣብ ዱባይ ብዝርከብ ሓደ ትካል እትውነን ኰይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓንቲ ካብ መራኽባ ብሰውራት ጋርድ ኢራን ተጨውያ ነይራ።

ጸብጻባት ከም ዝሓበሩዎ እታ ልእልቲ ኤም.ቪ ኣስፋልት ዝተባህለት መርከብ ናብ ኣፍደገ ናይቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለምና ዝመላለሰሉ ባሕሪ ንኽትኣቱ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ቀረበት ትሽዓተ ዝዀኑ ዕጡቓት ተሳፊሮም እዮም ጨውዮማ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ክፍሊ ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ መራክብ ንግዲ፡ ኣብ ጥቓ ፉጃራ ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ዖማን ክበጽሓ እንከለዋ ልዑል ጥንቃቐ ከካይዳ መኺሩ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሕቡራት ኢማራት ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝምልከቶ ኣካል ብህጹጽ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ ።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ነቲ ጸብጻብ "ኣዝዩ ዘሻቕል" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ትካል ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ሰዓታት "ሓደጋ ከጋጥም ይኽእል እዩ" ክብል ንመራኽብ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ነይሩ እዩ።

እቲ መጭወይቲ ቅድሚ ምግጣሙ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣርባዕተ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ቀላሲ መዘውረን ንምቁጽጻር ከም ዝተጸገማ ሓቢረን ነይረን።

እዚ ማለት ከኣ እታ መርከብ ናይ ምእዛዝ ሓይላ እንተጥፊኣ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን እያ ማለት እዩ።

ዳሕራይ ግን ሓንቲ ካብተን መራኽብ ጸኒሓ ክትንቀሳቐስ ከም ዝጀመረት ኣገልግሎት ዜና ኤፒ ሓቢሩ ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፍላይትራዳር24.com ሓንቲ ሓይሊ ኣየር ዖማን ዝቈጻጸራ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ክትዝምቢ ከም ዝተራእየት ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ ብሰሉስ ምስ ሓያሎ መራኽብ ብዝተተሓሓዘ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ "ዝያዳ ተጠራጠርቲ" ከም ዝገበሮም ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ጠቐነ ንኸይግበር ኣጠንቂቑ፡፡