ግብጺ፡ ንመትረብ ስዊዝ ዓጽያ ዝቐነየት ዓባይ መርከብ ተንቀሳቒሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ መትረብ ስዊዝ ተሸኺላ ዝቐነየት ኮንቴነር ዝጸዓነት ዓባይ መርከብ ከምዝተንቀሳቐሰት ተገሊጹ፡፡
እታ 400 ሜትር ንውሓት ዘለዋ ብ ‘ኤቨር ጊቭን’ እትፍለጥ መርከብ፡ ካብቲ ገምገም ባሕሪ ተሳሒባ ተንቀሳቒሳ ከምዘላ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም፡፡
እታ መርከብ ክተንሳፈፍ ብቪድዮ ከምዝተራእየን፡ ካልኦት ማያዊት ኣካላት ከምዘረጋገጽዎን ተፈሊጡ።
እታ መርከብ፡ ካብቲ ዝተሸከለትሉ ምንቅስቓሳ፡ ጉዕዞታት ድሕሪ ሰዓታት ናብ ንቡር ከምዝምለስን፡ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ዋጋ 9.6 ቢልዮን ዶላር ኣቑሑት ክጅመር ከምዝኽእልን ተስፋ ሂቡ ኣሎ፡፡
መስመር ናይታ መርከብ 80 ምእታዊት ዝተጸረገ ኮይኑ፡ እታ መርከብ ደጊማ ክትንሳፈፍ ናይ ምግባር ስራሓት ከምዝተጀመረ ሓለፍቲ ስዊዝ መትረብ ገሊጾም፡፡
ነታ መርከብ ናብ መጸበዪ ምንቅስቓስ ምስተኽኣለ ድማ ጉዕዞ መራኽብ ክጅመር ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
200 ሽሕ ቶን ክብደት ዘለዋ መርከብ ኤቨር ጊቭን፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ንፋስን ማዕበል ንመቆጻጸሪኣ ብምሽፋኑ ብሰሉስ ንጉሆ ተሸኺላ፡፡
ብሰንበት፡ ሓለፍቲ እቲ መትረብ፡ ክብደት እታ መርከብ ንምቕናስ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ኮንቴነራት ንምርጋፍ ይዳለዉ ነይሮም፡፡
ኣስታት 12 ምእታዊት ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዓለም፡ በቲ 193 ኪሜ ንውሓቱ መትረብ ስዊዝ ኣቢሉ እዩ ዝሓልፍ፡፡ መትረብ ስዊዝ ማእካይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ኮይኑ፡ ኣውሮጳን ኤስያን ዘራኽብ ዝሓጸረ ማያዊ መገዲ እዩ፡፡
ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ‘ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ’ ኣቢሉ ዝኸይድ ኣመራጺ መገዲ ዝያዳ ጉዕዞ ክልተ ሰሙን ዝወስድ እዩ፡፡

![ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/05c2/live/d5e6cba0-5408-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


