ግብጺ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ንመትረብ ስዊዝ ዓጽያቶ ዝጸንሓት መርከብ ሎሚ ክትንቀሳቐስ’ያ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እታ ካብ ሰሉስ ጀሚራ ኣብ ጸቢብ መተሓላለፊ መትረብ ስዊዝ ኣብ ሑጻ ተሸኺላ ዝጸንሓት ኤቨር ግሪን ዝተሰመየት ዓባይ መርከብ፡ ሎሚ ካብ'ቲ ተሸኺላቶ ዘላ ቦታ ክትንቀሳቐስ ከምእትኽእል ተሓቢሩ።
እታ ነቲ 12 ሚኢታዊት ካብ ናይ ዓለም ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝምሓላለፈሉ መስመር ዓጽያ ዘላ መርከብ፡ ካብቲ ተሸኺላቶ ዘላ ሑጻ ንምውጻኣ ሳምንታት ክወስድ እዩ ተባሂሉ እኳ ተሰጊኡ እንተነበረ፡ ዋና እታ መርከብ ሎሚ ክንትንቀሳቐስ ከምእትኽል ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ'ቲ ንማእካለይ ባሕርን ንቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ኣብ ሑጻ ተሸኺላ ዘላ መርከብ፡ ንምውጻኣ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ዓቢ ጻዕሪ ክካየድ’ኳ እንተጸንሐ፡ ክሳብ ሕጂ ክትወጽእ ስለዘይክኣለት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ክንቀሳቐሳ ዘይክኣላ መራኽብ መልሕቐን ደርብየን ንምውጻእ እታ መርከብ ይጽበያ ኣለዋ።
እቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ዋግኡ ንብረት ካብን ናብን ዝንቀሳቐሰሉ መትረብ ስዊዝ ብምዕጻዉ መዓልታዊ ልዕሊ 9.6 ቢልዮን ዶላር ካብን ናብን ካብ ምንቅስቓስ ተዓጊቱ ብምህላዉ ኣብ ዓለማዊ ቀረባት ጽልዋ ፈጢሩ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዛ ኤቨርግሪን ዝተሰመየት መርከብ 400 ሜትሮ ቁመትን 59 ሜትሮ ጎድንን ዘለዋ ኮይና ልዕሊ 200 ሽሕ ቶን ክብደት ክትሽከምን ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ 20 ሽሕ ኮንትኔራትን ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዋ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ እያ።
እታ መርከብ ካብ ቻይና ተበጊሳ ናብ ሆላንድ እናኸደት እንከላ’ያ ብዘጋጠመ ተክኒካዊ ጸገማት ኣንፈታ ምቁጽጻር ስኢና ነቲ 200 ሜትሮ ግፍሒ ዘለዋ መትረብ ስዊዝ ምሉእ ንምሉእ ብምዕጻው ኣብ ሑጻ ተሸኺላ።
ኣብ ባይታ ናይ ባሕርን ኣብ ደንደስን ናይ ንዝተሸኻላ መራክብ ኣብ ምውጻእ ብዙሕ ተመክሮ ዘለወን ሓያለ ትካላት ነዛ መርከብ ካብቲ ተሸኺላቶ ዘላ ሑጻ ንምውጻኣ ብዙሕ ፈተነ እኳ እንተኣካየዳ ክሳብ ሕጂ ነታ መርከብ ካብቲ ተሸኺላቶ ዘላ ሑጻ ከውጽኣኣ ኣይክኣላን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ግብጺ እቲ ጸገም ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ’ዩ እኳ ኢሉ እንተነበረ፡ እታ መርከብ ዝተሸኸለቶ ቦታ ዝርኣዩ ሰብ ሞያ ግን ክብደት ናይታ መርከብ ኣብ ግምት ኣእትዮም ነታ መርከብ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ሳምንታት ከምዝወስድ እዮም ክሕብሩ ጸኒሖም።
ሎይድስ ሊስት ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 230 መራኽብ መስመር ተዓጽይወን ብሸነኽ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን መልሕቐን ደርብየን ይጽበያ ምህላወንን ካብዚአን እተን ልዕሊ 24 ጭቃ ነዳዲ ዝጽዓና እየን።
ብሰንኪ እዚ፡ ዓቢ ንግዳዊ ምንቅስወቓስ ዝርኣዮ መትረብ ስዊዝ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ናይ ዋጋ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ፡ ሓደ ኻብኡ ኣብ ነዳዲ ዝተረኣየ ዋሕዲ ቀረብን ወሰኽ ዋጋን እዩ።
እዚ ንማእካላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ 193 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ መትረብ ብሰብ ዝተሰርሐ ኮይኑ ንኽልተ ቀላያት ሰንጢቑ ዝሓልፍ እዩ።
ቅድሚ እዚ መትረብ እዚ ምኽፋቱ፡ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ናብ ማእከላይ ባሕርን መላእ ኣውሮጳን ዝኸዳ መራኽብ ንኣፍሪቓ ብደቡባዊ ሸነኽ ተኳሊለን እየን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዘካይዳ ነይረን።
እዚ መትረብ እዚ ኣብ 1869 ድሕሪ ምኽፋቱ ግን እቲ ጉዕዞ ክሓጽር ክኢሉ’ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







