ግብጺ፡ ብሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 32 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ግብጺ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 165 ከምዝተሃሰዩን ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።
ኣብ ዞባ ሶሃግ ኣብ ጥቃ ከተማ ታህታ፡ ቅድምን ድሕሪትን ኮይነን ዝጉዓዛ ዝነበራ ሰብ ዝጽዓና ክልተ ባቡራት ብምግጫወን እየን ሞት ኣስዒበን።
ኣብ'ታ ኣብ ቅድሚት ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር ‘ዘይተፈለጠ ሰብ’ ናይ ሓደጋ ልጓም ምስ ሓዘ፡ እታ ብድሕሪኣ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር መጺኣ ከምዝሃረመታ ሰብ መዚ መንግዲ ባቡር ግብጺ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፡ ነቶም ነዚ ሓደጋ እዚ ብሸለልትነት ዝፈጸሙን ሓላፍነት ዝወስድሉን ሰባት ከቢድ መቅጻዕቲ ክውሃቦም ምዃኑ ንህዝቢ ተመባጺዑ።
“ዝኾነ ይኹን ነዚ ኣቐንዛዊ ሓደጋ ዘስዓበ ሰብ፡ ብዘይ ምድንጓይን ኣፈላላይን ግቡእ መቕጻዕቱ ክወስድ እዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እቲ ሓደጋ ካብ ርእሰ ኸተማ ካይሮ ንሸነኽ ደቡብ 365 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ኣብ ትርከብ ከተማ እዩ ኣጋጢሙ።
እታ ሓንቲ ባቡር ካብ ደቡባዊ ከተማ ሉዞር ናብ ወደባዊት ከተማ ኣሌክሳንድርያ ትጉዓዝ ዝነበርት ኮይና፡ እታ ብድሕሪኣ ትስዕባ ዝነበረት ኸኣ ካብ ካይሮ ተበጊሳ ናብ ኣስዋን እያ ተምርሕ ነይራ።
እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ልዕሊ 70 ኣምቡላንስ ናብቲ ቦታ ተላኢኸን ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ናብ ሆስፒታል ኣብ ምብጻሕ ይነጥፋ ምንባረን ተገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ስእሊ፡ ባጎኒታት ናይተን ባቡር ካብ ሓዲድ ወጺኡ ተገምብዩ እንከሎ የርኢ።
ኣብ'ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝነበረ ሓደ ውልቀ ሰብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ሰብ መዚ መጺኦም ክርእይዎ ንደሊ ኣለና፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ባቡር ተጸቂጦም ዘለዉ ሰባት ከነውጽኦም ኣይክኣልናን” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ዝጸቀጦም ባጎኒታት ንምስፍሳፍ ሓገዝ ማሽነሪ ይጽበዩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብምስዓብ “ሰብ ሞይቱ እዩ፡ ዝኾነ ሓገዝ ናይ ማሽነሪ ስለዘይረኸብና ነቶም ተጸቂጠዮም እንከለዉ ትንፋሶም ዘይሓለፈት’ውን ከነድሕኖም ኣይክኣልናን” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሙስጣፋ ማድቦሊ ናብቲ ቦታ ሓደጋ ብምብጻሕ ነቶም ብሓደጋ ዝተጎድኡ ሰባትን ስድራ ምውታትን ግቡእ ካሕሳ ከምዝውሃብ ተመባጺዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሙስጣፋ ማድቦሊ ብተወሳኺ መንግስቲ ግብጺ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ንምውጋድ ብቕዓት መንገዲ ባቡራት ክብ ንምባል ከምዝሰርሕ ቃል ከምዝኣተወ ናይ ግብጺ መርበብ ሓበሬታ ኣህራም ኦንላይን ሓቢራ።
ኣብ ግብጺ ብዙሕ ግዜ ተመሳሳሊ ሓደጋታት የጋጥም እዩ፡ ከም ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዝቐርብ ኸኣ እቲ መስመር ባቡራት ጽገናታት ስለዘይግበረሉን መንግስቲ ኣብ መንገዲ ባቡር ውሑድ ወፍሪ ስለዝገብርን እዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ግብጺ ኣብ 2002 ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ፡ ኣብ'ታ ሰብ ጽዒና ካብ ከተማ ካይሮ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር ባርዕ ብምግጣሙ 373 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







