ግብጺ ኣብ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ዝሳተፉ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣጠንቂቓ

በሊሕ ካራ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

ግብጺ ኣብ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፉ ውልቀሰባት ኣብ ዝቕጽዑሉ ሕጊ ምምሕያሽ ገይራ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮም።

ነቲ ጎዳኢ ልምዲ ንምትራፍ ብዝብል ኣብቲ ተግባር ንዝሳተፉ ኣካላት ዝብየን ግዜ ማእሰርቲ ክውስኽን ክጠብቕን ካቢነ ግብጺ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ብመሰረት ውሳነ እቲ ካቢነ ድማ ኣብ ምኽንሻብ ደቂአንስትዮ ምስታፎም ዝተረጋገጸሎም ሰባት ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ዝለዓለ ማእሰርቲ ክጽበዮም'ዩ።

ኣብ 2016 ዝተገበረ ሓደ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 15 ክሳብ 49 ዓመት ዕድመ ካብ ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ተኸንሺበን'የን።

እታ ሃገር ኣብ 2008 እቲ ተግባር ክፍጸም ከምዘይብሉ ውሳነ ኣሕሊፋ ነይራ። እንተኾነ ካብቲ ጊዜ ንደሓር ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ።

ተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ብወገነን እቲ ሕጊ ገደብ ብኣግባቡ ክፍጸም ናይ ዘይምግባር ጸገም ከምዘሎ የመልክታ።

ብመሰረት ሎሚ ዝወጽአ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ ይኹን ኣብቲ ጎዳኢ ልምዲ ተሳትፎ ዝገበረ ውልቀሰብ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ ተሓቢሩ'ሎ።

ብርግጽ እቲ ሓድሽ ሕጊ ብባይቶ እታ ሃገርን ፕረዚደንትን ኣቢሉ ክጸድቕ ኣለዎ።