ኣብ ማእከል መትረብ ስዊዝ ዝተሸኽለት ዓባይ መርከብ ንኽልተ ባሕርታት ፈላልያ

ኮንቲነራት ዝጽዓነት መርከብ ብመትረብ ስዊዝ እናሓለፈት

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

ኣብቲ ንማእከላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ብሰብ ዝተኾዓተ ጸቢብ መተሓላላፊ መራኽብ ዝኾነ መትረብ ስዊዝ (ስዊዝ ካናል)፡ ሓንቲ ኮንቲነራት ትጽዕን ዓባይ መርከብ ኣብ መሬት ተሸኺላ ነቲ መስመር ምሉእ ንምሉእ ስለዝዓጸወቶ እቲ መራኽብ ብጻዕቒ ዝመላለሳሉ መስመር ተዓጽዩ።

እታ 400 ሜትሮ ቁመትን 59 ሜትሮ ግፍሕን ዘለዋ ዓባይ መርከብ ዋላ እኳ ብንኣሽቱ መራኽብ ክትጉተት እንተተፈተነት ካብቲ ዝተሸኸለቶ ሑጻ ምንቅ ክትብ ስለዘይኸኣለት እቲ መስርሕ ምንቕስቃሳ መዓልታት ከይወስድ ተሰጊኡ ኣሎ።

እታ መርከብ ብሰሉስ ካብ ወደብ ስዊዝ ናይ ግብጺ ንሰሜን ኣብ ዝርከብ ጸቢብ መተሓላለፊ እያ ተሸኺላ ዘላ።

እታ መርከብ ኤቨርግሪን ዝብል ስም ዘለዋ ኮይና ኣብ ፓናማ ዝተመዝገበት እያ።

ኤቨርግሪን፡ ካብ ቻይና ተበጊሳ ናብ ናይ ሆላንድ ወደብ ሮተርዳም እናኣምረሕት እንከላ እያ ኣብ መትረብ ስዊዝ ተሸኺላ።

መርከብ ኤቨርግሪን ንመትረብ ስዊዝ ከመይ ገይራ ዓጽያቶ ከምዘላ ዘርኢ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Vessel Finder

ማዕከናት ዜና ግብጺ ከምዝሓበረኦ መርከብ ኤቨርግሪን ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ብኣቆጻጽራ እቲ ኸባቢ ሰዓት 07:40 ናይ ንግሆ ከምዝተሸኸለት ገሊጸን።

ብሰንኪ እታ መርከብ ነቲ መስመር ምዕጻዋ ሓያለ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዘምርሓ ዝነበራ መራኽብ ብኽልቲኡ ሸነኽ ተዓጊተን ኣለዋ።

ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ክኢላ ማሪታይም ዶክተር ሳለ መርኮጎሊኖ እዚ ምሽካል ናይዛ መርከብ ንብዙሓት መራኽብ ዓጊቱ ስለዘሎ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ለውጥታት ከኸትል ከምዝኽእል ንቢቢሲ ገሊጹ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

ንሱ ብምስዓብ "ኣብ መትረብ ስዊዝ ካብ ዝተሸኸላ መራኽብ እዚኣ እታ ዝዓበየት መርከብ እያ፡ ነታ መርከብ ክጎትዋ እንተዘይክኢሎም ነቲ ኣብታ መርከብ ዘሎ ኮንቲነራት ብምልጋስ ነቲ ሚዛን ከጉድልዎ ይኽእሉ እዮም እዚ ኸኣ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ" ኢሉ።

እታ መርከብ ኣብ ስሩዕ ጉዕዞኣ እንከላ መስመር ኤለትሪክ ናይታ መርከብ ተበላሽዩ መራሒኣ ክቆጻጽራ ከምዘይክኣለ እዩ ዝግለጽ፡ እንተኾነ መስመር ኤለትሪክ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተቋረጸ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

እቲ ንማእከላይ ባሕርን ንቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ንግብጺ ሰንጢቁ ዝሓልፍ መትረብ ስዊዝ 193 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሰለስት ተፈጥራኣውያን ፈለጋት ሰንጢቁ ዝሓልፍ እዩ።