ለይላ ፐንስ፡ ካብ ደብዳብ ነፋሪት ንስክላ ወጺኣ ሚልየነር ዝኾነት ግብጻዊት

ምንጪ ስእሊ, Laila Pence
ለይላ ኢብራሂምን ቤተሰባን ኣብ ሓያል ጭንቀት ኮይኖም፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ መትረብ ሰዊዝ (ስዊዝ ካናል) ዝርከብ ገዝኦም ምስተመለሱ ነይሩ ቦምባታት ምዝናብ ዝጀመረ።
እዋኑ፡ 'ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሃገራት ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ሶርያን ሓቢረን ንእስራኤል ዝገጠማሉ፡ 1967 ኣ.ኣ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ጓል 12 ዓመት ዝነበረት ለይላ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ፡ ቤተሰባ ''ጽቡቕ ህይወትን መንበሪን'' ከምዝነበሮም ትዝክር።
ሓደ መዓልቲ ንጉሆ ግን፡ ዘይተለመደ ዓይነት መጠንቀቕታ ደብዳብ ነፋሪት ሰሚዖም፤ ሽኡ ንሽዑ ገዝኦም ገዲፎም ሃደሙ።
ጸኒሖም ተመሊሶም ክዳውንቶም ጠርኒፎም ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ክብሉ ግን ደጊሙ እቲ ናይ ነፋሪት ደብዳብ ዘመላኽት ድምጺ ተሰምዐ። ኣከታቲሉ ድማ ሓያል ናይ ነታጒ ድምጺ ነቲ ከባቢ ኣናወጾ።
''እቲ ቦምባ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ክፍሊ እዩ ዓሊቡ'' እትብል ለይላ፡ ''ነቲ ገዛ ኣዕንዩዎ'' ብምባል ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮይኑ ግና ለይላ፣ ወለዳን ሰለስተ ኣሓታን ካብቲ ቦምባ ዝዓለበሉ ወገን ቁሩብ ፈንተት ኢሎም ብምጽነሖም ካብቲ ሓደጋ ክተርፋ ክኢሎም። ''ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ንብረት ግን ኩሉ ዓንዩ'' ትብል።
ነቲ ዝነበረ ኩነታት ምልስ ኢላ እትዝክር፡ ወናኒት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ትካል ኣማኻሪ ሒሳብ፡ ለይላ ፡ እቲ ሽዑ ዘጋጠማ ድንጋጸ ነቲ ሎሚ ረኺባቶ ዘላ ዓወት ሓይሊ ከምዝኾና ትገልጽ።
ምኽንያቱ ድማ '' ዝነበረካ ኩሉ እንተስኢንካ፡ እትፈርሖ ነገር ኣይህሉን'' ክትብል ትገልጽ።
እቲ ሓደጋ ቦምባ ምስኣጋጠመ ቤተሰባ ናብ ካይሮ ተጓዒዞም፤ እንተኾነ ናብራ ኣይቀለሎምን። ህይወት ከምሓድሽ ንምጅማር ብምውሳን ናብ ኣመሪካ ክስደዱ ወሲኖም።
ሰራሕተኛ ባንኪ ዝነበረ ወላዲኣ ኣብ ኒውዮርክ ንዝነበሩ መሓዙቱን አዕርኽቱን ኣማኺሩ፡ ናብኡ ንምኻድ ዘኽእሎ ቅጥዒ መልአ፤ ሰመረሉ ድማ።
ኮይኑ ግና ንምኻድ ወርሒ እንትተርፎም ወላዲኣ እግሩ ስለዝተሰበረ ዕንቅፋት ገጠሞም። ኣብ መወዳእታ ለይላን ኣዲኣን ክጓዓዛ፡ ንሱ ክሳብ ዝሓዊ ክጸንሕ ተሰማምዑ።
በዚ መሰረት ወላዲ ለይላ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ከርክብ ከሎ፡ ሰለስቲአን ዓበይቲ ኣሕዋታ ግን ኣብ ግብጺ ክጸንሓ ወሲነን።

ምንጪ ስእሊ, Laila Pence
ለይላን ኣዲኣን ናብ ኒውዮርክ ምስመጽኣ፡ ናይ ቋንቋ ጸገምን ሕጽረት ገንዘብን ስለዝነበረን ''ከቢድ ግዘ ኣሕሊፍና'' ትብል።
ምስ ካሊእ ቤተሰብ ኣብ ሓንቲ ገዛ ይነብራ ከምዝነበራን፡ ኣካላት ዘደንዝዝ ቁሪ እቲ ወቕቲ ከምዘይትርሰዖን ተገልጽ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ መሓዛኣ ዝነበረ ግብጻዊ፡ ድሕሪ ትምህርታ ሳንድዊች ኣብ ዝሽየጠሉ ቦታ ስራሕ ክትረክብ ሓጊዙዋ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ብሰዓት ናይ ሰለስተ ዶላር ክፍሊት እትረኽበሉ ዝነበረት ስራሕ ቤተሰባ ገዛ ክራይ ክኸፍሉ ይሕግዞም ከምዝነበረን፡ ነቲ ደሓር ዝጀመረቶ ናይ ፋይናንስ ስራሕ መሰረት ከምዝኾናን ለይላ ትዛረብ።
''ዓማዊል ከመይ ከተኣናግድ ከምዘለኒ ኣምሂሩኒ'' ትብል።
ትምህርታ ምስ ወደአት ናብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ዝኣተወት ለይላ፡ መኽፈሊ ትምህርታ ንምርካብ መተኣናገዲት ኮይና ሰሪሓ።
ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርታ ስራሕ ክትጅምር ዘኽእላ 20 ሽሕ ዶላር ዝኸፍላ ዓሚል ረኺባ።
ሽዑ ''ብኣመና ታሕጓስ ከይደቀስኩ ሓዲረ'' እትብል ለይላ፡ ''ኣሚኑ ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ዝህበኒ ሰብ ምርካበይ ምእማን ኣብዩኒ ነይሩ'' ክትብል ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Laila Pence
እታ ፈላሚት ዓሚላ ብሞት ክሳብ ዝተፈለየትሉ፡ ን17 ዓመታት ምስኣ ከምዝቐጸለት ትዝክር።
ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ምስ ወደአት ድራይደን ፐንስ ንዝበሃል ሰብኣይ ዝተመርዐወት ለይላ፡ ኣብ 1980 ብሓባር 'ፐንስ ዌልዝ ማነጅመንት' ዝበሃል ቤተሰባዊ ትካል ኣጣይሾም።
"ሕብሪ ቖርበተይ፣ ጋሻ ምዃነይን ጾታይን ኣብ ዝሓስቦ ካብ ምብጻሕ ኣይዓገተንን'' ትብል።
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ለይላን በዓል ቤታን ዝውንንዎ ትካል 1500 ዓማዊልን 1ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብትን ክህልዎም ክኢሉ።
መጽሄት ፎርብስ ንለይላ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዘለዋ ቀንዲ ደቂ ኣንስትዮ ኣማኸርቲ ሒሳብ፡ ራብዓይቲ ገይሩ መሪጽዋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Laila Pence
ኣብ ደቡባዊ ካሮላይና ምቹእ ናብራ እትነብር ለይላ፡ ናብ ሃገራ ግብጺ ምምልላስ ኣይገደፈትን። ንብዙሓት ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብር።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ህይወታ ንዝረኸበቶ ዓወት፡ 'ጂጊፕሽያን ውመን ካን' ዝተብሃለ ትካል ሽልማት ኣበርኪቱላ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







