ኣብ ቤንሻንጉል መተከል ሓዘንተኛታት መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖም ተገሊፁ

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል: ወረዳ ቡለን፡ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ሓዘን ኣብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብርቱዕ ጉድኣት በጺሑ ተባሂሉ።
ብሓሙስ 15 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ ኣቆጻጽራ ግእዝ] ሓደ ነባሪ እታ ከተማ መንእሰይ፡ ብልሙድ ካማሺ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መውጽኢ በሪ፡ ምስ ካልኦት ኣዕርኽቱ ኣብ ሓለዋ እንከሎ፡ ብጥይት ተወቒዑ ከምዝተቐትለ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ ገሊጾም።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ከባቢ ተመዛቢሎም ዝመጽኡን ኣብ ከተማ ቡለን ቀበሌ ሓደን ክልተን ዝተዋጽኡ ሰባት እናሓለው፡ ሓደ መንእሰይ ብዘይተፈልጡ ሸፋቱ ከምዝተቐትለን፡ ሬስኡ ብኣምቡላንስ ከምዝተወስደን ነበርቲ ይዛረቡ።
እቲ ኣስከሬን ካብ ሆስፒታል ምስወጽአ መናእሰያት እናበኸዩ ይስዕቡ ከምዝነበሩ እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝበተኑዎም እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ መናእሰያት ይዛረቡ።
ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ቡለን ዶክተር ታከለ ገሰሰ'ውን፡ እቲ መንእሰይ ኣብ በረኻ ተወቒዑ ሬስኡ ናብ ሆስፒታል መጺኡ ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ።
እቲ ዶክተር ብምቕጻል፡ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ናብ'ቲ ሆስፒታል ከምዝመጽኡ፤ እቶም ሰለስተ ንዝሐሸ ሕክምና ናብ ባህርዳር ከምዝተላእኩን፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊድ ኣብኡ ደቂሱ ይሕከም ከምዘሎን ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦ ወዲ 65 ሽማግለ ኣይተ ኣዳሙ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብግምት ሰዓት 10 ኣቢሉ ከምዝጀመረ ይዛረብ።
ኣይተ ኣዳሙ፡ ብቕትለት እቲ መንእሰይ ዝተላዕለ፡ ኣባላት ኮማንድ ፖስት ሰራዊት፡ "ኣብ ልዕሊ ሓዘንተኛታት ተኲሶም" ክብል ይዛረብ።
"ኣባላት ሰራዊት ምዃኖም ብክዳኖም ኢና ንፈልጦም። ምሳና ሓቢሮም ስለዝነብሩ ኣጸቢቕና ኢና ነለልዮም። ናብ'ቲ ተቐሚጥናሉ ዝነበርና እንዳ ሓዘን እዮም ተኲሶምልና" ኢሉ።
ኣብቲ እንዳ ሓዘን ዝነበሩ በጻሕቲ በቲ ተዅሲ ከምዝተበታተኑን እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከምዝተኻየደን ይዛረብ ። ኣይተ ኣዳሙ ንባዕሉ፡ ኣብ ከተማ ቡለን ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ኣባል ኮማንድ ፖስት ወረዳ ቡለን፡ ሻለቃ ሰለሞን፡ "ንሕና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይንትኩስን ንህዝቢ ኢና ንከላኸል" ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ከምዘይተፈፀመ ተዛሪቡ።
"ኣብቲ እዋን ዕግርግር ስለዝነበረ፡ ነንሕድሕዶም እዮም ተዋቒዖም ዝኾኑ፤ እዚ ድማ ምስተጻረየ እዩ ዝፍለጥ። ሰራዊት ግን ንሰብ ኣይወቅዕን፤ ንሕልዎም ኢና ዘለና፤ ካልእ ተልእኾ ዘለዎ ሰብ'ዩ ስም ሰራዊት ዘጸልም ዘሎ" ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።
ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብተደጋገሚ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት፡ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ።
ገለ ከባቢታት እቲ ክልል፡ ኩነታት ጸጥታ ንምርግጋእ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻልን ካብ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ብዝተዋጽኡ [ሓይልታት]ብኮማንድ ፖስት እዩ ዝመሓደር ዘሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







