ቤት ፍርዲ ኤዜማ ኣብ 20 ወረዳታት 'መረጻ ይደገመለይ' ብዝብል ዘቕረቦ ክሲ ምርኣይ ክጅምር’ዩ

ኢዜማ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Citizens for Social Justice

ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍርሒ (ኢዜማ) ኣብ 28 ጣብያታት “መረጻ ይደገመለይ” ክብል ዘቕረቦ ክሲ ካብ ሎመዓልቲ ጀሚሩ ብቤት ፍርዲ ክሪእ እዩ።

ኢዜማ ኣብተን ወረዳታት ኣብ እዋን መረጻ ዝተፈጸሙ ግድፈታት ኣለዉ ብዝብል ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝወሰዶ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቦርድ መረጻ ንጥርዓኑን ዘቕረቦም መረዳእታታትን ከይገምገመ ውሳነ ብምሃቡ ነቲ ጉዳይ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ከም ዝወሰዶ ድማ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኢዜማ ምስቲ መረጻ ብዝተሓሓዝ ዝተፈጥሩ ጸገማት ኣለው ዝበሎም ልዕሊ 400 ጸገማት ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣቕሪበ ኣለኹ ምባሉ ይዝከር።

ብ14 ሰነ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ብዝርከቡ መሪሕነት ፓርቲ፣ ካብ ሚሊሻ ክሳብ ፍሉይ ሓይሊ፣ ኣፈጸምቲ መረጻን ካልኦት መንነቶም ብዘይተፈለጡ ውልቀሰባትን መስርሕ ምሃብ ድምጺ ከም ዝተኣጓጎለ ሓቢሩ።

“እዚ ከኣ ኣብ ውጽኢት መረጻ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ” ኢሉ።

ነዚ ዘረድእ እኹል ናይ ሰብ፣ ሰነድን ቪድዮን ዝተሓገዘ መረዳእታ ከም ዝወደበ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኢዜማ ትማሊ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዘእተዎ ጥርዓን፡ “ጥሕሰት ሕጊ ተፈጺምሎም” ኣብ ዝበሎም ናይ መረጻ ወረዳታት ዳግማይ መረጻ ክካየድ ዝሓትት ውሳነ ብቤት ፍርዲ ክውሰነሉ ዝሓትት’ዩ።

ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ 2ይ መጋባእያ ጉዳያት መረጻ ካብ ሎሚ 15 ሰነ 2013 ጀሚሩ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ምርኣይ ከም ዝጅምር ተፈሊጡ።