ተዘክሮታት 20 ሰነ፡ ዛንታ ተጋደልቲ ኣደይ ንግስትን ኣቦይ ኣድሓኖምን

ተጋዳሊት ንግስቲ ህብትዝጊ / ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዘውደ

ምንጪ ስእሊ, D.M

መግለጺ ስእሊ, ተጋዳሊት ንግስቲ ህብትዝጊ / ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዘውደ

ሓንቲ ካብ'ቶም ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ኤርትራ ጐሊሓ እትርአ መዓልቲ፡ እታ ንብዙሓት ዜጋታት ብኣካል ኰነ መንፈስ ዝተንከፈት 20 ሰነ - መዓልቲ ስዉኣት ኢያ። ብሰንኪ'ቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ደቀን ከፊለን እየን።

"እታ መዓልቲ'ቲኣ" ይብል ኣማኑኤል ኣድሓኖም፡ ወዶም ንተጋዳሊት ንግስቲ ህብትዝጊ / ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዘውደ፡ "ንዝተሰውአ ወይ ከኣ ቀረባ ሰቡ ንዝተሰውኦ ጥራይ ኣይኰነትን ትምልከት፣ እንታይ ድኣ ንዅሉ ዜጋ፡ ብብረታዊ ቃልሲ ዝነደየ፡ ናብርኡ ዝተመዛበለ፡ ዝተሰደ፡ ዝሰንከለ ... ኮታ ንዅሉ ብሰውራ ኤርትራ ሓጸልጸል ዝበለ ሰብ እያ ትምልከት" እናበለ ኣብ ተዘክሮታት ቤተሰቡ ይኣቱ።

ኣማኒኤል፡ ን20 ሰነ ኣዲኡ ዘሕለፍኦ ኵነታት ዝዝክረላ መዕላቲ ምዃና ይገልጽ። "ተወጺዐ ከይበለት፡ ብህይወታ ከየማረረት፡ ንኹሉ ኣብ ከብዳ ሓቚፋ፡ ተጋደልቲ ኣብ ቅድሚኣ ክወድቁ እናረኣየት፡ ጓሂኣ ሓቢኣ፡ ዓወት ንሓፋሽ እናበለት፡ ዝነበራ እናሃበት ስለ ዘሕለፈቶ ተዘክሮታታ ወትሩ ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን" ይብል።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ኣቦይ ኣድሓኖምን ኣደይ ንግስትን

ኣቦይ ኣድሓኖም ዘውደ ካብ ዓዲ ባዕከል ኰይኖም ኣደይ ንግስቲ፡ በዓልቲ ቃል-ኪዳኖም፡ ከኣ ካብ ጐደቦ ዓዲ ሓድሽ ዓዲ'የን። ክልቲአን ዓድታት ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ'የን ዝርከባ።

"ኣደይ 12 ቈልዑ'ያ ወሊዳ - ሽድሽተ ኣወዳት፡ ሽድሽተ ኣዋልድ። ሓንቲ ሓብተይ ብንእሽትኣ ተጐዲኣታ፡ ሓደ ኣብ ኣስመራ፡ ክልተ ድማ ኣብ ወጻኢ" ብምባል ብዛዕባ ዛንታ ስድራ-ቤቱ ከዕልል ይጅምር።

ኣማኑኤል ዝጽሕፎም ግጥምታት ኰኑ ዝደርሶም ዜማታት ምስ ኣዲኡ ፍሉይ ፍቕርን ቅርበትን ከምዘለዎ የርእዩ። ኣብ ዘረብኡ ከበድቲ ሕቶታት እንክምልስ ከኣ ሕንቕንቕ ክብል ይስማዕ።

"ካብ ገዛና ጥራይ፡ ቀረባ ዘመድ ከይቈጸርኩ፡ ሾሞንተ ሰባት ኢና ተሰሊፍና። ኣቦይን ኣደይን ወሲኽካ ኸኣ ዓሰርተ በሎም" ይብል ኣማኒኤል።

ኣማኒኤልን (ኣዘንታዊ ናይዚ ዛንታ) ምስ ኣዲኡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, D.M

መግለጺ ስእሊ, ኣማኒኤልን (ኣዘንታዊ ናይዚ ዛንታ) ምስ ኣዲኡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ

ኣማኑኤል በቶም ዘይተጋደሉ፡ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ኣሕዋቱ ዕላሉ ይጅምር። "መቸም፡ ብናተይ ኣገላልጻ ኵሎም ተጋዲሎም'ዮም እየ ዝብል - ኣብ ሓፋሽ ዉዱባት ተወዲቦም ንገድሊ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት ዘሎዎም እናሃቡ ኣገልጊሎም'ዮም" ይብል።

ንኣብነት ብዛዕባ ኣልጋነሽ ሓብቱ - ኣብ ሞንጎ ግርማይን ተኸስተን ዘላ ዓባይ ሓብቱ ምዃና'ዩ - ንስድርኣ ክትበጽሕ ካብ ወጻኢ ክልተ ጊዜ ንሜዳ ወሪዳ ከም ዝነበረት ይነግር።

ከምኡ'ውን ብዛዕባ እየሩሳሌም ሓብቱ ካብ ስዑዲ ንሜዳ ወሪዳ ከም ዝነበረት ከምዚ ይብል ... "ሓደ ምሸት ሩባ ክንሰግር ኣሰር ንእየሩሳሌም ለኪምናያ ኔርና፣ ዉሕጅ ሒዙዋ ከይዱ። ሰኣን ቍሩብ'ያ ብዕድል ድሒና" እናበለ ብዛዕባ'ተን ሓውሲ ተጋደልቲ ኣሕዋቱ የዕልል።

"መጀመርያ ንሜዳ ዝወጸ ግርማይ ሓወይ'ዩ - ኣብ 2ይ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ። ግርማይ ብ1974'ዩ ተሰሊፉ" ይብል ኣማኒኤል። "ኣደይ ካብ ሽዑ ጀሚራ ቀልባን ልባን ናብ ገድሊ ኤርትራ ወፈረ" ክብል የዘንቱ።

ግርማይ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ንሜዳ ዝወረደሉ እዋን ተኸስተ ዝበሃል ሓዉ ድማ - ምንኣስ-ምንኣሱ ንግርማይ ምዃኑ'ዩ - ካብ ኣስመራ ንሜድ ይወጽእ፣ ኣብ ታዕሊም ከኣ ይራኸቡ።

"ንድሕሪት ክመልሰካ ..."

ኣማኒኤል "ንድሕሪት ክመልሰካ ... " ኢሉ ነብሱ ይሰርዕ።

ኣብ ዛግር፡ ሓደ ኣቦይ ቀሺ የማኑ ዝበሃሉ ብዙሓት ደቆም ንሜዳ ዝኸዱዎም ኣቦ ነበሩ። ሽዑ እዋን ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ከበሳ ደይቦም ይንቀሳቐሱ ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦይ ቀሺ ደሃይ በዓል ግርማይን ተኸስተን ኣብ ዝረኸብሉ እዋን ንኣደይ ንግስቲ ብቐጻሊ ሓበሬታ ይልእኹለን ስለ ዝነበሩ፡ ንዛግር እናተመላለሳ ድሃይ ደቀን ይገብራ ነበራ። ብኡ ኣቢለን ድማ ምስ ተጋደልቲ ምትእስሳር ፈጠራ።

ኣደይ ንግስቲ ፍልይ ዝበላ ኣደ'የን ነይረን። "ኣደይ ኣዝያ ንቕሕቲ፡ ኣይኰነንዶ ብዛዕባ ኵነታት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ ንኽትከታተል ዓቕሚ ዝነበራ ኣደ ነበረት" ክብል ኣማኒኤል ብሓበን ይዛረበለን።

ግርማይ፡ ቅድሚ ንሜዳ ምኻዱ፡ ምስ ኣዲኡ ኮፍ ኢሉ የዕልለንን የማኽረንን ከም ዝነበረ ኣማኒኤል ይነግረሉ። ኣዝየን ይፈትዎኦ ስለ ዝነበራ ንሱ ከዕልል ጽን ኢለን ይሰምዕኦ ነበራ።

ናይ ተማሃራይ ነገር ኰይኑ፡ ግርማይ ብበዓል ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር - ተጣባቒ መሰል ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝነበረ ጎብለል፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ጆን ኤፍ. ከነዲ - መበል 35'ዊ ፕረሲደንት ሕ.መ.ኣ. - ክዛረብ ጽን ኢለን ይሰምዖ ነበራ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተቐትልሉ እዋን ኣደይ ንግስቲ ከም ዝሓዘናሎም ኣማኒኤል ይምስክረለን።

ብ1975፡ ኣብ ኣስመራ ቶኽስን ቅትለትን ምስ በዝሐ፡ ኣቦይ ኣድሓኖም ንብምልኡ ስድራ ቤት ንዓዶም ሒዞምዎም ይኸዱ። ካብኡ ኸኣ ንስራሕ ኢሎም ንጊንዳዕ ወረዱ። ዓሰርተ-ሓሙሽተ ሰባት እተመላልስ መኪና ታውኑስ መብልዕ እንጀርኦም ስለ ዝነበረት ንደቆም ኣብ መኪንኦም ጽዒኖም ንጊንዳዕ ይግዕዙ።

እቲ ስድራ-ቤት ናብ ጊንዳዕ ምስ ሰገረ፡ ኣይጸንሑን ተጋደልቲ ንጊንዳዕ ይሕዙዋ። እታ መኪና ተጋደልቲ ስለ ዘድለየቶም ዳርጋ ኣብ ስራሕ ገድሊ ተዋፈረት።

ኣደይ ንግስቲ ከኣ ድሮ ስርዕቲ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝነበራ ኣብ ጊንዳዕ ኰይነን ዝተረፉ ደቀን እናዕበያ ተወሳኺ ስራሕ ገድሊ ብጽዑቕ ኣገባብ ክሰርሓ ጀመራ። ንደቂ 'ንስትዮ ኸኣ ኣብቲ ዓዲ ክውድባ ጀመራ። ምስኡ ኸኣ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽአ እኽሊ ኣኪበን፡ ጣይታን ቅጫን ሃንዛን እናሰንከታ ንተጋደልቲ ኣብ ግንባራትን ድፋዓትን ክሰዳሎም ጀመራ።

ኣቦይ ኣድሓኖም ከኣ በታ መኪንኦም ኣብ ጊዜ ኲናት ባጽዕ (1977-78) ካብ ደንጎሎ በረድ ጽዒኖም ናብ ተጋደልቲ ይዕድሉ ነበሩ። እቶም ቈልዑ ድማ 'ቀያሕቲ ዕንባባ' ኰይኖም ኣብ ስሩዕ ናብራ-ሜዳ ኣትዮም ተዋፈሩ።

"ኢትዮጵያ ክደፍኡ ምስ ጀመሩ ምዝላቕ መጸ" ይብል ኣማኒኤል። ኣብ ጊዜ ምዝላቕ እቲ ስድራቤት ብምልኡ፡ ምስ'ቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ቈላዑ፡ ንሜዳ ክወርዱ ተገደዱ።

"ኣነ ሽዑ ወዲ ዓስርተ ክልተ ዓመት'የ ነይረ፣ ተመስገን ሓወይ ድማ ዓሰርተ ዓመት ነይሩዎ። እቲ ጕዕዞ ሓያልን ኣድካምን ምንባሩ ይዝከረኒ። ብበረኻ-በረኻ ኣቢልና ብሰሎምና ኣቢልና ንኣፍዓበት ገጽና ክንወርድ እዝከረኒ።

ክፋል ስድራቢት ኣቦይ ኣድሓኖም ዘውደ - ብመጀመርታ 80'ታት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተሳእልዎ መዘከርታ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, D.M

መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ንየማን (ደው ኢሎም ዘሎዉ)፡ ተመስገን፡ እየሩሳሌም፡ ኣቦይ ኣድሓኖም፡ ኣርያም፡ ሳባ (በዓልቲ ቤቱ ንተኸስተ) ተኸስተ ኮፍ ኢሎም ዘሎዉ፡ ኣብርሃም፡ ኣማኑኤል፡ ናዝሬት

"ናዝሬትን ክብራን ካባና ስለ ዝዓብያ ኣብ ሓይልታት ተመደባ፣ እቶም ዝተረፍና ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ኣተና" እናበለ ዕላሉ ይቕጽል።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ልክዕ ከም'ቶም ብዙሓት ስድራ-ቤታት ኤርትራ ንሱዳን ክንሰግር ዕድል ነይሩ፣ ኣደይ ግን ኣብያ ...'ህይወተይ ምስ ደቀይ' ኢላ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተረፈት" ይብል ኣማኒኤል።

"ገድሊ ኤርትራ ቀሊል ኣይነበረን ... ኣብኡ ዘሕለፍናዮ መስተንክር ናብራ ብሒደት ቃላት ክገልጾ ኣይክእልን ... ንዘይፈልጦ ግን ምናልባት ምግናን ይመስሎ ይኸውን። ብቤት ትምህርቲ ሰውራ ክሓስብ ከሎኹ ንቢተወደድ ኣብርሃ'የ ዝዝክር፣ ብፍትሒ ክድበስ ዝግብኦ ኣብነታዊ ተጋዳይ። ንሱ መምህረይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ በረኻ ኣዕብዩኒ'ዩ" እናበለ ኣስሚሩ ይምስክረሉ።

"ንዓይ 20 ሰነ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት እትበዓል መዓልቲ ኣይኰነትን - መዓልቲ-መዓልቲ ብስዉኣትና ጥራይ ዘይኰነስ ከምኡ'ውን ኣዴታት ኤርትራ ዘሕለፍኦ ናብራ ስለ እተዘክረኒ" ይብል ኣማኒኤል።

"እቲ ቃልሲ'ቲ ኣይኰነንዶ ንበዓል ኣደይን ኣቦይን፡ ነታ ሕሳስ ልደ ገዛና'ውን ኣጋዲሉ'ዩ። ኣርያም ሓብተይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዓብያ፡ ጐቢዛ ኸኣ ናይ ራድዮ ኦፐረይተር ኰይና ተገልግል ነይራ።

"እወ፡ ነቲ ቃልሲ ብቐረባ ንዘይፈልጦ ሰብ ከም ጽውጽዋይ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን" ኢሉ ዝን ይብል።

መስዋእቲ

"ብታሕሳስ 1977 ግርማይ ሓወይ ኣብ ዉግእ ባጽዕ - ኣብ ኣጂፕ - ተሰዊኡ ። ኣነ ብ 1981 መስዋእቲ ግርማይ ሰሚዐ (ወዲ 14 ዓመት'የ ነይረ)። መስዋእቲ ኣይንገርን ስለ ዝነበረ ኣነ ግን ተበላሒተ'የ መስዋእቱ ዝፈለጥኩ። ሓደ መዓልቲ ብጾት ግርማይ ሓወይ ብቤት-ትምህርቲ ሰውራ ክሓልፉ ከሎዉ ስሙ ክረቝሑ ምስ ሰማዕኩ ሽዑ መስዋእቲ ዓቢ ሓወይ ከም ዝፈልጥ ኰይነ ቀረብኩዎም። እቶም ብጾቱ ኸኣ ከም ዝተሰውአ ምስ ኣረጋገጹለይ ካብ ብጾተይ ተሓቢአ ንሓደ ሰዓት ክበኪ እዝከረኒ።

ግርማይ ምስ ተሰውአ፡ ከምቲ ልማድ ሜዳ፡ ንኣደይ ንግስቲ ሓብኡለን። ሓንሳብ 'ኣርሒቑ ከይዱ ኣሎ'፣ 'ድሕሪ መስመር ኣሎ'፣ 'ስርሑ ከቢድ'ዩ' ... ወዘተ. እናበሉ ይሓብኡለን ከም ዝነበሩ፡ ንሰን ግን ነብሰን ስለ ዝነገረን ብዉሽጠን ይሳቐያ ከም ዝነበራ ኣማኒኤል የዘንቱ።

ግርማይ ከኣ መማህርቲ በዓል ስብሓት ኤፍሬም፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ዑቕበ ኣብርሃ ስለ ዝነበረ ኣደይ ንግስቲ ነቶም መራሕቲ ብቀረባ ይፈልጥኦም ነበራ። ብመስዋእቲ ግርማይ ወደን ብዉሽጠን እናፈለጣ ምስ ብጾቱ ዝዛረባሉ ጕዳይ ግን ኣይነበረን፣ እቲ ዝህቡወን ዝነበሩ ናይ ቃለ-ዓለም መልሲ ይርድአን ነይሩ።

ግርማይ ምስ ተሰውአ ግን ኣደይ ንግስቲ ሓዘነን ኣብ ከብደን ሒዘን ብርቱዕ ጓሂ ከም ዝነበረን ወደን ይምስክር። እህህ ይብላ ነበራ። "ኣደይ ምስ ግርማይ ወዳ ዝነበራ ፍቕሪ ብርቱዕ'ዩ ነይሩ፣ ንግርማይ ዓንዲ ገዛ ገይራ ትርእዮ ስለ ዝነበረት። ኣሐንቂቓቶ፡ ንሱ'ውን ኣዝዩ የኽብራን ይሰምዓን ነይሩ። ብሓጺሩ ግርማይ ዙሃርን ባናን ገዛና'ዩ ነይሩ ኢለ ክገልጾ እኽእል" ይብል ኣማኒኤል።

ኣማኒኤል ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበረሉ እዋን ክብራ ሓብቱ ካብ ድፋዓት ንክትበጽሖ ዝመጸትሉ እዋን ይዝከሮ። "ክብራ፡ ንዓይ ድሕሪ ምርካባ ማለት'ዩ፡ ኣብ ሻድሻይ ወራር (ጥሪ 1982) ትስዋእ" ይብል ኣማኒኤል። እቲ ወራር ብሰለስተ ግንባራት ተወሊዑ - ባርካ፡ ናቕፋ፡ ሰሜናዊ-ምብራቕ ሳሕል (ኣብ ከባቢ ኣልጌና) - ብዙሓት ተጋደልቲ ዝተሰውእሉ ወራር'ኳ እንተነበረ ኢትዮጵያ ንዕርድታት ግንባር ፈንጢዛ ክትስዕሮ ኣይከኣለትን።

"መደምደምታ ዘይብሉ ታሪኽ ... "

ብድሕሪኡ፡ እቲ ዛንታ ከነሕጽሮ፡ ናጽነት መጸ።

ኣማኒኤል ይብል፡ "ኣነ መበል ታሽዓይ'የ ኣብ ገዛና። ንግርማይ፡ ነቲ ዓቢ ዝተሰውአ ሓውና እቶም ካባይ ዝንእሱ ክልተ ኣሕዋተይ ኣይፈልጥዎን'ዮም፣ ከይፈለጥዎ ኸኣ ተሰዊኡ።"

"ዓቢ ሓወይ ተኸስተ ብከቢድ መውጋእቲ እግሩን ከብዱን ተበሳሲዑ ክነሱ ብህወቱ ኣሎ" ኢሉ ብክብሪ ይዝክሮ።

"ተመስገን ሓወይ፡ ነባር ተጋዳላይ ኣብ ናይ ራድዮ-ጠለፋ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣስመራ ብሕማም ሞይቱ" እናበለ ኣማኒኤል የዘንቱ።

"ናዝሬት ሓብተይ ናጽነት ርእያ ግን ኣይጸንሐትን ካብዛ ዓለም ተፈልያትና።

"እቶም ዝተረፍና ኸኣ ናብ ስደት ኣምሪሕና ... መወዳእታ ዘይብሉ ታሪኽ ኰይኑኒ" ይብል ኣማኒኤል።

"ኣደይ ኵሉ ጊዜ ከየማረረት፡ ንገሌኹም ወሲዱ ንጌለኹም መሊሱለይ ኣሎ ክትብል ይዝከረኒ" ይብል ኣማኒኤል። ኣደይ ንግስቲ ኪዳነ ዝበሃል ንእሽቶ ሓወን ኣዝየን ይፈትውኦ ነበራ ። ካብ ክቱር ምፍታው፡ ክምሕላ ከላ'ውን 'ኪዳነ ሓወይ' እናበላ ይምሕላ ከም ዝነበራ ኣማኔእል የዕልል። "ኣደይ ብኪዳነ እንድሕሪ ምሒላ እቲ ጕዳይ ውድእ'ዩ" ይብል። ኪዳነ ሰለስተ ቈልዑ ወሊዱ፣ ግናኸ ኣብ 34 ዕድሜኡ'ዩ ሞይቱ። እቶም ሰለስተ ደቁ ኸኣ ኣብ ሳሕል ተሰዊኦም። እዚ ነደይ ንግስቲ ኣዝዩ የሕዝና ነይሩ።

"ኣደይ ከም ሰብና ትብል ነይራ፣ ካብ ገዛና ሾመንተ ክንስለፍ፡ ክልተ'ዮም ተሰዊኦምና - ክልተ ኸኣ ድሕሪ ናጽነት። ኪዳነ ሓዋ ግን ኵሎም ደቁ'ዮም ተሰዊኦሞ። ኣብ መዓልቲ ስዉኣት በቶም ብህይወትና ዘሎና ደቃ'ኳ ተመስግን እንተነበረት፡ ብኪዳነ ሓዋ ግን 'ሓድጊ ዘይብሉ ተሪፉ' እናበለት ብዙሕ ትጕሂ ነበረት" ይብል ኣማኒኤል።

ኣደይ ንግስቲ ህብትዝጊ ቅድሚ ክልተ ዓመት (2019) ኣብ ኣስመራ ዓሪፈን፣ ሰብኣየን ድማ፡ ኣቦይ ኣድሓኖም፡ ኣብ 88 ዕድሚኦም ኣብ ኣስመራ ዓሪፎም ... ሬሳኦም ኣብ ዓዲ ባዕከል ተቐብረ።

ኣማኒኤል ናይ ስድራ ቤቱ ዛንታ ፍሉይ ከምዘይኰነ ብምግላጽ "ካብ ናትና ዝገድድ ናብራ ዘሕለፉ ኣብ ፈቐድኡ ኣሎዉ፡ ምሉእ ጥራይ ይግበረልና ... ክብርን ሞጐስን ንሰማእታት ኤርትራ" ድሕሪ ምባል ይፋነወና።