ኢትዮ-ኤርትራ፡ ካብ 20 ሰነ 2018 ክሳብ ትማሊ እንታይ ተዓሚሙ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓሚ፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዖ መደረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበሉ ናይ ሰላም ጻዊዒት ከም ዝተቐበሎን ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘበግስን ተዛሪቡ ነይሩ።
እዚ ካብ ዝበሃል ከኣ ሎሚ ዓመቱ መሊኡ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ እዚ ሓደ ዓመት ካብ ዝተርኣዩ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ምንቅስቓሳት ንገሊኦም ክነዘኻኽረኩም።

- 6 ሰነ ኣኼብኡ ዘካየደ ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ፡ መጻኢ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምውሓስ ንውሳነ ስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ከም ዝገብር፡ እቲ ኮሚቴ ብዘውጽኦ ሓበራዊ መግለጺ ኣፍሊጡ፤ መንግስቲ ኤርትራ ድማ መልሲ ኣስዒቡ።
- ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ሰሉስ 26 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
- 8 ሓምለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ፈላምን ታሪኻውን ምብጻሕ ፈጺሙ።

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega
- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብ ኢትዮጰያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ 14 ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።
- ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ 9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ብመሰረት ዘውጽአኦ 'ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን'፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ረቡዕ 18 ሓምለ ዳግም ጀሚሩ።
- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ብዝወሰድዎ ተበግሶን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን፡ ኣብ'ታ ሃገር ዝለዓለ "ኒሻን ዛይድ" ሸሊማቶም።
- ኤርትራን ሶማልን፡ ሰኑይ 30 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ዓንድታት ዝሓዘ ሓባራዊ 'ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕግጋዝን' ከቲመን።
ነሓሰ
- ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ቀዳም 18 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER
መስከረም
- ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብ 5 መስከረም ኣብ ህንጻ ሃገር ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕን ምድልዳልን ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ድሕሪ ምዝታዮም፡ ኤርትራ፡ ሶማልን ኢትዮጵያን ስሉሳዊ ስምምዕ ከቲመን።
- ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ክልተ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይሲማ - ቡሬን፡ ሰርሓ - ዛላምበሳን፡ 11 መስከረም ብወግዒ ተኸፊቱ።
- ነዚ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ምቊራጽ ርክባት፡ ንምንቅስቓስ ህዝቢን ንብረትን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ዝተኸፍተን፡ ምስ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝተኣሳሰርን ኣገዳሲ መስመራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ብኣካል ተረኺቦም ምኽፋቱ ኣበሲሮም፡ ኣሓት ህዝብታት በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስ ሓቢሮም ኣብዒሎም።

- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም፡ ናይ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ዝለዓለ "ኒሻን ንጉስ ዓብዱልዓዚዝ" ተሸሊሞም።
- ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተከተመ ስምምዕ ሰላም፡ ብ16 መስከረም ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝወደቦ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተጸምበለሉ እዩ።
- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገሌን፡ 17 መስከረም ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- ኣብ 18 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኣስረ ብዘይ ቅድመ ኩነት፡ ክፍታሕ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
- ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ 28 መስከረም ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ፈላሚ ኣኼባ አካይዱ። እቲ ካቢነ፡ በቲ "ታሪኻዊ" ዝበሎ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደሪኾም ኣብቲ ዞባ ዝርኣዩ ዘለዉ ክስተታትን ሓፈሻዊ ዞባዊ ስትራተጅያዊ ሽርክናን ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዝገበረ ተሓቢሩ።
ጥቅምቲ
- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ብ 14ን 15ን ጥቅምቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።
ሕዳር
- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ 9 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ገይሹ።
- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር - ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኰነን፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፤ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።
- ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሓት ታሕሳስ 2009ን 2011ን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ብይናት እገዳ ክለዓል፡ 14 ሕዳር ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ። እቲ ተላዒሉ ዘሎ ውሳነታት እገዳ፡ ኣብ 2009 ዝሓለፈ ቑጽሪ 1907፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2011 ዝሓለፈ ቑጽሪ 2023 ኮይኑ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ብዘይቀጥታዊ መገዲ ንቚጠባ ኤርትራ ዝጸሉ ውሳነታት ዘጠቓለለ'ዩ።
- ኤርትራ ካብ 21 ክሳብ 25 ሕዳር 2018 ዕዉትን ፈላምን ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣአንጊዳ፡ ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ መጀመረታ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብደቂ ኣንስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝተኻይደ ኮይኑ፡ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ርዋንዳ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሸልስን ቤኒንን ተሳቲፈን።
ታሕሳስ
- ብፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ (ፋርማጆ) ብዝተገብረሉ ዕድመ፡ ኣብ ታሕሳስ 12 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ሞቓዲሾ ኣትዩ፡ ቀፂሉ ብ14 ታሕሳስ ድማ ናብ ኬንያ ኣትዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስትር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ሞኒካ ጁማ ተቐቢላቶ።
- ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም መንነቱ ብዘይተገልጸ ሰብ ከቢድ መጥቃዕቲ ወሪድዎ።
- ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ ዶብ ዘላምበሳ ሰርሓ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብ ፌዴራል መንግስቲ ፍቓድ ንዘይብሎም ገያሾ ብ 26 ታሕሳስ ተዓጽዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ታሕሳስ 27 መስምር ራማ-ክሳድ ዒቓ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተዓጽዩ።
- 7 ጥሪ 2019 ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ኦም ሓጀር ሑመራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ብውግዒ ከፊቶሞ።
- 21 ጥሪ ሃገረ ጥልያን ኣብ ምህናጽ ናይቲ ካብ ወደብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ መስመር መገዲ ባቡር ክትተሓባበር ምዃና፡ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዝፈጸም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።
- ካብ 21 ጥሪ ጀሚሩ ንሸውዓተ መድረኻት ዝተኻየደ ዙር ጋቦን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።

ምንጪ ስእሊ, XAVIER BOURGOIS
- ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዓበላልነት ተዓዊታትሉ መርሃዊ ቅዱስ'ውን ምስ ጋንታ ኣስታና ብሙዃን ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ።
- ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን 4 መጋቢት ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ናብ ደቡብ ሱዳን ተበጊሶም። ክልቲኦም መራሕቲ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ስሉሳዊ ርክብ ዘትዮም።
- ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ባህርዳር ዝተካደ መበል 14 ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራን ኤርትራውያን ኣሕዋት 'ደቂ ደበሳይን' ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኖም፡ ኤርትራ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተዳለወ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታት ብምዕዋት፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከሳትፋ ዝክእል ክልተ ቦታ ኣውሒሳ።
- 24 መጋቢት ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብር ኣስመራ ኣቲዩ። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተቐቢልዎ።
- ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 21 ግንቦት ናብ ሱዳን ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘትዩ።
- ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምክንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ ' ...ዘለናዮ እዋንን ኩነታትን ፡ ገና ምጅምኣር ሓድሽ መዋእል'ዩ፡ ብባህሪኡ ናይ ባህታን ሃረርታን ስምዒታዊ እዋን እዩ።
- 5 ሰነ መንግስቲ ኤርትራ ንኣተሓሕዛ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝኹንን: ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።
- 8 ሰነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ግብጺ ገይሹ።
- 11 ሰነ ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅሉዕ ደብዳበ ዘርጊሖም።
- 13 ሰነ መንግሰቲ ኤርትራ ነቲ ብፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ናብ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝተጻሕፈ ቅሉዕ ደብዳብ ግዚኡን ኣጋባቡን ዘይሓለወ ዝብል መልሲ ሂቡሉ።
- ላዕለዋይ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን 14 ሰነ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ ኤርትራ ንመሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ከም እትድገፍ ኣፍሊጣ።
- 19 ሰነ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ተራኺቡ፡ እዚ ጉጀለ ልኡኽ ኤርትራ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝሓቖፈ ኮይኑ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግጭት ንምውጋድ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብምዝካር፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምሕያል ተላዚቦም።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







