ኤርትራ፡ ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናጽነት ህዝቡ ክሕሉ ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው፡ ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ደረስትን ዝርከብዎም 103 ኣፍሪቃውያን፡ ሃገረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ምምላሳ ብኹሉ ደላዪ ጽቡቕ ዝንኣድ ምኻኑ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝግብኦ ሓርነታት ክረክብ ጸዊዖም።
ነዚ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ኤርትራውያን ዝሓሸ ናብራ ንኸናድዩ ሰፍ ዘይብል ሓደጋታት ይሓልፉ ኣለው ይብል።
ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተኣሲሮም ስለዘለዉ፡ ከም ዜጋታት ኣፍሪቃ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ዘየወላውል ምሕዝነት ተደሪኾም ነዚ ደብዳቤ ከም ዝጸሓፍዎ የብርሁ።
እዞም ተሸላሚ ኖቤል ናይጀርያዊ ፕሮፌሰር ዎለ ሶዪንካ፣ ግብጻዊት ደራሲትን ጋዜጤኛን ሞና ኢልታህዋይ፣ ኬንያዊ ተሓላቒ ዴሞክራሲ ቦኒፌስ ሙዋንጊ ዝርከብዎም 103 ፍሉጣትን ጸለውትን ኣፍሪቃውያን እዮም።
ሃገራቶም'ውን ብተመሳሳሊ ሽግራት ከም ዝሓለፋ ዝሓበሩ እቶም ኣፍሪቃውያን፤ ንሓባራዊ ጸገም ብመንፈስ ናይ 'ፓን ኣፍሪካኒዝም' (ኣፍሪቃዊ ምሕዝነት) ኣብ ምፍታሕ ለበዎኦም ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልኢኾም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሳቶም ኣብ መልእኽቶም፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝሓፈ 20 ዓመታት ኣገዳሲ ለውጥታት ኣብ ምግባር ምጽንሐን ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ካብ ጭቆና ነጻ ኮይኖም ኣብ ናጽነት ይነብሩ ምህላዎምን፡ ሃገራት'ውን ኣብ ወፍርን ቱሪዝምን ብዝገበረኦ ወፍሪ ምምሕያሽ ይገብራን ኣለዋ ኢሎም።
ዜጋታተን'ውን ኣብ ሓሳብካ ምግላጽ፣ ብናጽነት ናይ ምንቅስቓስ፣ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ፣ ናጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ብዙሕነት ሰልፍታት ብዘለዎ ኣገባብ ይመሓደሩ ከም ዘለዉ ዝሓበረ እቲ ደብዳበ፡ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ከተርኢ ብዘይምኽኣላ ግን፡ ከም ሃገር እታ ንኹሉ ዓይነት ለውጥታት ዝተዓጽወት ኮይና ትቕጽል ኣላ ይብል።
እዞም ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን፡ ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ጋዜጤኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግቡእ መዓልቦ ተገይርሉ፡ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግቡእ ቦታኣ ንኽትሕዝ ክሰርሑ ዕድል ክፍጠረሎም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተላብዮም።
ከምኡ'ውን ዝሓሸ ናብራ ንምምስራት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ስደቶም ኣብቂዑ እዚ ጽልግልግ ዝብል ዘሎ ምስሊ ኤርትራ በርሃው ክብል ተማሕጺኖም።
ኣብ መወዳእታ ወከልቶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ መንግስቲ፣ ህዝቢ፣ ምስ ጋዜጠኛታትን ምስቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ክራኸቡ ክፍቀደሎም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቲቶም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







