ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ምልዓል ንጅቡቲ እንታይ ማለት እዩ?

ፕረዚደንት መሓመድ ፋራማጆን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ስምምዕ እናፈረሙ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት መሓመድ ፋራማጆን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ስምምዕ እናፈረሙ

ኣብ ፖለቲካ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ምንቅስቓስ እትገብር ጅቡቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ንክልዓል ቅድም ክብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሐዚ ድማ ብሶማልያ ዝቐረበ ሕቶ ትቃወም ኣላ።

ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ዝተርፍ ፀጋ ከስዕብ እዩ ተባሂሉ ተኣሚኑሉ ነይሩ።

ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣይተ የማነ ዘርኣይ በዚ ትንታነ ካብ ዝሰማምዑ ሓደ እዩ።

"ቅርሕንቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልቲኤን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ብዓብይኡ ፀልይዎ ፀኒሑ እዩ" ይብል።

"ምፍታሕ ቅርሕንቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ዞባ ፅቡቕ እዩ" ክብል'ውን የረድእ።

ዕርቀ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ስዒቦም ዝመፁ ክያዶታት 'ውን ነዚ ሞጎት ዘሐይሉ ይመስሉ ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ፈጺሙ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሱ፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክለዓል ብወግዒ ናብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ኣቕሪቦም።

እግሪ ኢትዮጵያ ስዒባ ሶማሊያ 'ውን ምስ ኤርትራ ስምምዕ 'ሕውነታዊ ዝምድናን ሓፈሻዊ ምትሕግጋዝን' ተፈራሪማ።

ድሕሪ እዚ ስምምዕ ድማ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቀብ ክልዓል ከምዝሓተቱ ተዘሪቡ።

ድሕሪ እዚ እዩ፡ ካልእ መልክዕ ናይቲ ዛንታ ዝተግሃደ።

መንግስቲ ጂቡቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቐብ ንኽለዓል ሶማልያ ንዘቕረበቶ ሕቶ ካብ ምቅዋም ሓሊፉ፤ ንሕቶ ፋርማጆ "ኣዝዩ ዘሰንብድ" ክብል ገሊፅዎ።

ብወገን ጅቡቲ ዝቐረበ ቅረታ፡ ጁቡቲ ሰላምን ርግኣትን ሶማልያ ክተውሕስ እተቓለሰት፤ ሶማሊያ ግን መሬትን እሱራትን ጅቡቲ ንዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ ምድጋፋ ቅቡል ኣይኮነን ዝብል እዩ።

ኢድ ኣእታውነትሓይልታትደገ?

ተንታኒ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር መድሃንዬ ታደሰ፡ "ጅቡቲ ናይቲ ዞባ ዲፕሎማስን ፖሊሲ ጉዳያት ወፃእን ብናይ ደገ ሓይልታት ይዝወር ኣሎ ዝብል ፍርሒ አለዋ" ይብሉ።

"እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ዝብልዎም ድማ ምስኦም ዘይቃደዉ እዮም። መንግስቲ ሕቡራት ኢሚሬትስ ምስ ጅቡቲ ዘለዎ ቅርሕንቲ ፍሉጥ እዩ። ብደረጃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ናይ ሰላምን ድሕንነትን ኣካይዳ 'ውን ይነቅዕ ኣሎ ዝብል እዩ 'ቲ ቕረታ"።

ፕሬዝዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጉሌህ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጉሌህ

ፕሮፌሰር መድሃንየ፡ ከይዲ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስተጀመረ፡ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እቲ ቐጠና ንዝነበረ ዝምድና ብዘይጎድእ መልክዑ ክኸዉን ምዒዶም ከምዝነበረ ይዛረብ።

"እናተዘራረብካ ጥርጣረ ብዘይፈጥር መልክዑ እንተዝኸውን ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ ጅቡቲ ኣብ መስርሕ ሰላም ሶማልያ ዓብዪ እጃም እዩ ነይርዋ። ኣብቲ ኣንፃር ኣልሸባብ ዝግበር ውግእ እውን ጅቡቲ ናይ ባዕላ ተራ ትፃወት እያ፤ ልክዕ ከም ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ዩጋንዳን" ኢሎም።

" 'ብናይ ደገ ሓይልታት ዝድፋእን ከባብያዊ ናይ ሓባር ረብሓ ዘጎድእን ኣካይዳ እዩ' ዝብል ናይ ጅቡቲ ስግኣት "ሓቃውነት ኣለዎ" ይብሉ ፕሮፌሰር።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኢድ ኣእታውነት፡ ቁጠባውን ፀጥታውን ፀብለልታ መታን ክህልወን ከምዝገበርኦ ዝሕብሩ ፕሮፌሰር መድሃንየ፤ ንብሄራዊ ረብሓ ሃገራት ናይዚ ዞባ ዝሕሉ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ የብቕዕ ዶ ይህሉ ዝብል ሕቶ ዝፈጥር ኣካይዳ ምዃኑ ይገልፁ።

ሕቶ ጅቡቲ ኣብ ግምት ክኣቲ ዝግበኦ ትኽክለኛ ስግኣት ምዃኑ'ውን እቶም ተንታኒ ይዛረቡ።

ጅቡቲ ካብ ቅርሕንቲ ተረባሒት ዶ ነይራ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ፡ "ተረባሕነት ጅቡቲ ካብ ዓይኒ ወደብ ጥራይ ነፂልና እንተርኢናዮ ተረባሒት ነይራ ክንብል ንኽእል" ይብል።

"ግን ከኣ ተረባሕነት ተነፃፃሪ እዩ። ኣብቲ ዞባ ውሑስ ሰላም እንተዝህሉ ብዝበለፀ ኢንቨስትመንት ምሃለወ። ጅቡቲ'ውን ዘላቒ ተረባሕነት ክህልዋ ምኸኣለ። ካብ ክራይ ወደብ ዝርከብ ገንዘብ፡ ዘላቒ ሃፍትን ዕብየትን ኣየምፅእን" ክብል ይገልፅ።

ኣይተ የማነ ዘርኣይ፤ ጅቡቲ ካብ ክራይ ወደብ እትረኽቦ እቶት ምንካዩ ከተሓሳስባ'ኳ ዝኽእል እንተኾነ ንሰላም እቲ ዞባ ክሳብ ምዝራግ ዘብፅሕ ስግኣት ከምዘይኸውን ይሕብር።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድልየት ዘለዎም ብዙሓት ደጋዊ ሓይልታት ምህላዎም፤ ዋላኳ ነዚ ጉዳይ ተኣፋፊ እንተገበሮ፤ ቅረታ ጅቡቲ ብዙሕ ስግኣት ከምዘይኸውን 'ውን ይኣምን። ብኣግባቡ ክትሓዝ ከምዝግበኦ ግን ይምዕድ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ምውጣጥ እውን እንተኾነ፤ ነቲ ዘሎ ዞባዊ ለውጢ ስዒቡ ክፍታሕ ከምዝኽእል ይእምት።

ኣብዚ ከይዲ መስርሕ ዞባዊ ሰላም ግን፤ ሃገራት እቲ ኸባቢ ንሻቕሎት ጅቡቲ ኣብ ግምት ኣእትየን ክሰርሓ ይግባእ ኢሉ።