ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክለዓል ብወግዒ ሓቲታ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ እገዳ ካብ ኤርትራ ክለዓል ወግዓዊ ሕቶ የቕርብ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ፈጺሙ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክለዓል ብወግዒ ናብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ኣቕሪቡ።

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኤርትራ ንእስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ከም እትተሓባበርን ነቲ ዞባ ተናዓዕብን ከም ዘላ ድሕሪ ምኽሳሰን፡ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ክሲ ክነጽጎ ዝጸንሐ ክኽዉን ከሎ፡ ነቲ ጉዳይ ከጻሪ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ መርማሪ ጉጅለ ዝኾነ ጭብጢ ኣብ ባይታ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ ኢዩ።

እዚ ትማሊ ኢትዮጵያ ናብ ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሕቶ፡ ኢትዮጵያ ግዚያዊ ኣባልነት ኣብ ዘለዋ ባይቶ ጸጥታ ደገፍ ክረክብ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ፡ ኣምባሳደር ማሕቡብ መዓሊም 'ዉን ኤርትራ ናብቲ ኣብ 2007 ኣባልነታ ዘደስከለቶ፡ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ዉድብ ኢጋድ፡ ደጊማ ክትጽምበር፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝጸሓፎ ደበዳበ ጸዊዑ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን እዉን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዶብ ሽግር ንምፍታሕ ምስምምዐን ትማሊ 9 ሓምለ ዝኸተምኦ ዉዕል ከም ዘሐጎሶም ሓቢሮም።

ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ከምኡዉን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ መሓማት ፋኪ ዉድባቶም ኣብ ምትግባር ዉሳነ ኮምሽን ዶብን ዝምድናታቶም ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን፤ ዘድሊ ሓገዛት ንምብርካት ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም።

ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝተኸተመ ዉዕል ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

ንሱ ወሲኹ እቶም መራሕቲ ምእንቲ ረብሓ ህዝብታቶም፡ እቲ ዞባን እቲ ኣህጉር ብሓፈሻን፤ ወሲደምዎ ንዘለዉ "ተባዕ ጎደና ዕርቂ" ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

"እቶም እገዳታት ብዝተፈላለዩ ኩነታት ዝሰዓቡ ኢዮም፤ እቶም ኩነታት ሕጂ ከምዘየለዉ ይኣምን፤ እቶም ናብ እገዳ ዘምርሑ ጠንቅታት እንድሕሪ ተኣልዮም እቲ እገዳ ኣድላይነት ኣይክህልዎን ኢዩ" ኢሉ።

እዚ መግለጺ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተዋሂቡ።

መግለጺ ቪድዮ, ርኢይቶ ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይሮቢ

ዝሓለፈ ሰኑይ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ሃገራቶም ናብ ንቡር ንምምላስ፡ በረራታት ንምጅማር፡ ንዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ ተሌፎን መስመራት ንምርኻብ ተሰማሚዖም ኢዮም።

እቲ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘለዎ ዉዕል፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ እዝነ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣንጠልጢሉ ዝጸንሐ ናይ ኲናት ሃዋህዉ መኸተምታ ክገብር ኢዩ።

ክልቲአን ሃገራት ንዉሳነ ኮምሽን ዶብ 2002፡ ከም ዘኽብራ ገሊጸን እኳ እንተ'ለዋ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣካል ናይቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ልፍንታዊ ሰልፊ ካብ ዝኾነ ህወሓት ተቓዉሞታት የጋጥሞ ኣሎ።

ተንተንቲ ግና እኹል ደገፍ ከም ዘለዎ ይሕብሩ።