ኣለክስ ድ ቫል፡ “እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኣታትዩ ዘሎ መስርሕ ፖለቲካዊ ምውዳድ ክነትዕ’ዩ”

ኣለክስ ድ- ቫል

ምንጪ ስእሊ, Alex de Waal

ኣብ መንጎ ብዙሓት ኢትዮጵያውን ኰኑ ኤርትራውያን በዚ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘበገሶ ናይ ዕርቂ ዝርርብ ኣብ ገለ-ገለ ሸነኻት ናይ ስክፍታ መንፈስ'ኳ እንተተራእየ ብሓፈሽኡ ኣዘራርባ ግን እቲ መደብ ሰላም ናብ ካልእ ከየላገሰ ንቕድሚት ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ናይ ዶክ. ኣቢይ ኣሕመድ ንኣስመራ ምብጻሕ ተስፋ ዚህብ መርኣያ'ዩ።

በዚ ዚካየድ ዘሎ ተበግሶ ሰላም ንሓደ ብኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ዘሎዎ ኣህጕራዊ ተመራማሪ ዶክ. ኣለክስ ድ-ቫል ኣዘራሪብናዮ ነርና።

"እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኣታትዩ ዘሎ መስርሕ ፖለቲካዊ ምውዳድ ብመስተንክር ዝዀነ ኣገባብ ክነትዕ'ዩ። ብተስፈኛዊ ኣናብባ ኵነታት፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጠረሽታኡ፡ ናብ ሓደ ናጻ ፖለቲካዊ መገዲ ትኣቱ ኣላ ማለት'ዩ - እቲ እዋኑ ዝሓለፎ ዕርቂ ምስ ኤርትራ ክፋል ናይቲ ለውጢ'ዩ - እወ ንኽልቲአን ሃገራት ዜርብሕ ለውጢ" ይብል ዶክ ኣለክስ ድ ቫል።

ኣለክስ ድ ቫል መን'ዩ?

ኣለክስ ድ- ቫል ብዛዓባ ኣፍሪቃ ዘርእዩ ጕዳያት ማዕረ 16 መጻሕፍቲ ዝደረሰ ተመራማሪ፣ እታ መጠረሽታ ዝጸሓፋ መጽሓፍ, The real politics of the Horn of Africa (2015) ብዛዕባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ገንዘብ፡ ዉግእ፡ ከምኡ'ውን ብሓይሊ ስልጣን ዝካየድ ንግዲ ብዕምቈት'ዩ ዝትንትን።

ዶክ. ደ-ቫል 55 ዝዕዲሚኡ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝተመረቐ፡ ፈጻማይ ሓላፊ ናይ ረድኤታዊ ተቕዋም ሰላም ዓለም (ዎርል ፒስ ፋውንደሽን) ኰይኑ መደበሩ ኸኣ ኣብ ክፍሊ ዓውደ መጽናዕቲ ፍለቸር - ሕግን ዲፕሎማስ - ታፍትስ ዩኒቨርሲቲ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ)ኢዩ። ብሜዳ መጽናዕቱ ድማ ፈላጥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ዩ ዚጽዋዕ። ምርምር ዶክ. ደ ቫል ኣብ ሰላም፡ ዉግእ፡ ዓጸባ፡ ኤች.ኣይ.ቪ.ኤይድስ፡ መሰል ደቂ-ሰባት፡ ግብረሰናያውነት ኰኑ ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ዘትኵሩ'ዮም።

ዳግማይ ግምት ንሰላም

ኣለክስ ድ- ቫል

ምንጪ ስእሊ, Alex de Waal

ዶክ. ድ-ቫል ከም ዝብሎ "ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ኣብ ሓደ ዓቢ ነውጺ ዝኣተወ ይመስል - እቶም ኣሎዉ ዝበሃሉ ፖለቲካውያን ርክባት ድማ ዳግማይ ክመዛርዑ ንርኢ ኣሎና።"

"ብጃምላኣዊ ትዕዝብቲ ክርአ ኸሎ" ይብል ኣለክስ ድ ቫል፡ "እቲ ቀንዲ ረቛሒ ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ምብትታን ጸጥታውን ቍጠባውን ኣሜሪካ ክበሃል ይከኣል - እዚ ኸኣ ንዞባዊ ፍታሕ ከምጽኡ ይኽእሉ ዝበሃሉ ተወደዳደርቲ ናይቲ ዞባ ዝዕድሙ ተኽእሎታት ክፈጥር ስለ ዝኸኣለ። ከምዚ ክብል ንስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ፡ ግብጺ፡ ቻይና ከምኡ'ውን ሕቡራት መንግስቲ ኣሜሪካ ንባዕላ ኣብ ውድድር ከም ዝኣትዋ ገይሩወን ይርከብ።

"እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ትሕተ-ቅርጽን መሬትን ምስ ኣድላይነት ጸጥታ ብጽኑዕ ተኣሳሲሮም ይቐርቡ ብምህላዎም'ዩ። ብሓጺሩ፡ ስዑዲ-ዓረብ፡ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ፡ ግብጺ፡ ብምርቓ ሕቡራት መንግስቲ ኣሜሪካ ስለ ዝተኣሳሰሩ እቲ ልፍንቲ'ቲ ጸብለል ኢሉ ይርአ ኣሎ። ነዚ 'ፓክስ ኣራቢካ' ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል" ይብል ዶክ. ደ ቫል።

"ዋላ'ኳ እዚ ሓድሽ ልፍንቲ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ክጸንሕ'ዩ ኣይንበል፡ ንጊዜኡ ግን እቲ መጣቓይ ሓይሊ ንሱ'ዩ።"

"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ዉጽኢት ናይ'ዞም ዝገለጽክዎም ዞባውያን ርክባት'ዩ እብል። ካብ'ቲ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሳ እትስእሎ በይናውን ባዕላውን ካርታ - ከም ሓንቲ ነብሳ እትኽእል ወይከኣ ንምዕባሌ ሃገር ባዕላ እትውንኖ ኣካል ኣይኰነትን - እንታይ ድኣ ነቶም ድልየታት'ቶም ቀንዲ ሓይልታት ዞባ ብምእንጋድ ሕእደ ንኡስ ተራ ንኽትጻወት ትግደድ'ያ" ይብል።

ካርታ ኢትዮጵያን ኤርትራን

"እንተ ኵነታት ኤርትራ ግን ፍልይ ይብል። ዋላ'ኳ ድኽም ዝበለ ተራ ትጻወት፡ ኤርትራ ነቲ ዝተዘናብዐ ስትራተጂካዊ ሃለዋት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልጥፍ ኢላ ብምግንዛብ ነቲ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ኵነታት ንምምካት ዘድሊ ሜለኛ ምትዕርራያት ኣብ ምግባር ትርከብ።

"ዀይኑ ድማ፡ ከም ዝመስለኒ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንድልየታት 'ፓክስ ኣራቢካ' ንኸርውያ ወይ ከኣ ግብራዊ መልሲ ንክህባ ናይ ክልቴኣተን ሽግር ንክፈትሓ ፍሕትሕት ክብላ ይረኣያ።

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብመንጽር ኣረጊት መንግስቲ ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓደስቲ ጠለባት ዞባና ዘከናውን ዘሎን ብሓዲሽ መንፈስ ሓደስቲ ኣንፈታት ዝጸርግ ዘሎ መሪሕነት ንገዛእ ርእሱ ሓዲሽ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ግን እቲ ናይ ቀደም'ዩ፡ ሃገር ንምምጻእ ብብረታዊ ቃልሲ'ኳ እንተተዓወተ ንሃገር ኣብ ሰላም መገዲ ናብራ ህዝቢ ከጣጥሕ ዘይከኣለ መንግስቲ'ዩ። እዝስ ኣብ ጕዕዞ ሰላም ጸገም'ዶ ኣይፈጥርን?

ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ ዶክ ድ-ቫል ክምልስ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ ይብል ... "እቶም ተዋሳእቲ ኣስመራ ምኩራት ብምዃኖም፡ ኣብ ተግባራዊ ፖለቲካ ጠሊቖም ድማ ንነዊሕ እዋን ዝሰርሑ፡ ከምኡ'ውን ተደራዳሪ ተሞኵሮ ዘሎዎም ስለ ዝዀኑ ምናልባሽ ኣብ ልዕሊ'ዞም ሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ታክቲካዊ ጸብለልታ ክህውልዎም ይኽእል'ዩ ክንብል ንኽእል።ብኻልእ ሸነኹ፡ ጸብለልታ ይሃሉዎም'ምበር እዚ ሓድሽ ኵነታት፡ ብረብሓን ጸቕጥን ናይ'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ልፍንታዊ ሓይሊ ተደፊኡ ስለ ዝመጸ ብዙሕ ትርጉም የብሉን" እናበለ ዶክ ድ-ቫል ይትንትን።

"ጥንቃቐ ዘድልዮ ጕዳይ"

"ክንጥንቀቐ ግን ይግባእ" ብምባል ድ-ቫል ሓዲሽ ዛዕባ የልዕል። "ብዛዕባ ፖለቲካዊ ናጽነትን ስኒት ምስ ጐረቤት ሃገርን ምስምዕ ጥዑም'ዩ። እቶም ኣዋጃት ብመልሰ ግብሪ ክስነዩ ይግባእ። እዚ ንሕቶ ሓቂ ብረክላም ምምካት ኣይኰነን - ብዙሕ እዋን ድስቡጣነት (despotism) ጕልባብ ናጽነት ተኸዲኑ ክመጸና ርኢና ኢና፣ ንዉግእ ከም መምጽእ-ሰላም ኣምሲሎም'ውን ክሸጡ ሰሚዕና ኢና - ኵነታት ብዝግብኦም ሓረጋት ምግላጾም ... ምናልባሽ እቲ ጕዳይ ከምቲ ንሰምዖ ዘሎና እንተዘይኰይኑ ብእዋኑ ካልእ ስም ክወጾ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ድ-ቫል 'ዕድድጋዊ' ዲፕሎማሲ (transactional diplomacy) ዚብል ስነ-ቃል ተጠቒሙ ከምዚ እናበለ መተሓሳሰቢ የቕርብ - ኣሰራርሓ 'ፓክስ-ኣራቢካ' ዕድድጋዊ'ዩ፣ ኣሰራርሓ ሕብረት-ኣፍሪቃ ግን ኣብ ብዙሕ-ዝጐኑ ስምምዓት ዝመርኰስ'ዩ። ክልቲኦም ኣገባባት ድማ ኣብ ክልተ ጫፋት ናይ ሓደ ስፐክትሩም ኮፍ ኢሎም ይርከቡ።

"እቲ ድሒሩ ዝተኸሰተ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መፋርቕ ተስዓታት'ዮም ተኣታትዮም። በቲ እዋን'ቲ ኣፍሪቃ ካብ ኣፈፈት-ሞት'ያ ወጺኣ - ውግኣት ጥርዚ ዝወቕዕሉ፡ ጃምላዊ ቕትለት ዝተራእየሉ፡ ግልበጣ መንግስቲ ዝገነነሉ እዋን - ሽዑ ሕብረት ኣፍሪቃ መሰረታዊ ሕግታት ከም ዘተኣታተወት ክንዝክር ንኽእል" ይብል ዶክ ድ-ቫል። "እቶም መሰረታውያን ስምምዓት ድማ ንሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያ ዜኽብሩ ናይ ሓባር ጸጥታ ምትእትታው፡ ወትሃደራዊ ግልበጣ መንግስቲ ምንጻግ፡ ንገበናት ዉግእን ጋህሲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘይምጽዋር፡ ብዘተ ዝተመወለ መወድኦ-ብረታዊ-ጐነጽ ምትእትታው፡ ኣብ ጥዑይ ጕርብትና ምጽቃጥ ... ዘኣመሰሉ መስርሓት።

"ብኣንጻሩ፡ ሃገራት ኣዕራብ ከም ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘኣመሰሉ ቅጥዕታት፡ ስምምዓት ኰነ ትካላት የብለንን" ይብል ድ-ቫል።

ስለዚ እዚ ብ 'ፓክስ ኣራቢካ' ተደፋፊኡ ዝተኣታቶ ዘሎ ናይ ዕርቂ ዝርርብ ብኸመይ ኣብ መጓሰ ሕብረት-ኣፍሪቃ ይእቶ?